Tag: #ትግራይ ወቕታዊ
-
ኣብ ህልው ኩነታት ኣድሂቡ ካብ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ።

ፀላእትና ካብ መርየት ምዕራብ ትግራይ ብዝረኸብዎ ኢኮነሚያውን ፖለቲካውን ፋይዳ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ትግራይን ህዝባን እዚ ከባቢ ብምስኣኖም ዝኸስርዎ መጠን እናለክዑ ኩሉ መደያዊ ክፍኣተ-ተግባሮም ኣጠናኺሮም ቀፂሎምሉ ኣለው። መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቱን እዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብ-ስራሕ ክፍተት ፖለቲካዊ መሪሕነት እናመዝመዙ ኣብ ጥቅሞም ናይ ምውዓል ተግባር ብዝኸፈአን ብዘተሓሳስብን መልክዑ ኣጠናኺሮም እናቐፀልሉ ይርከቡ። ሰራዊት ምክልኻል ሀገር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት…
-
“ስምምዕ ፕሪቶርያ ይከበር! ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብና ናብ ዝነበሮ ይመለስ” ሰሙናዊ መልእኽቲ ውድብ ህወሓት።

23 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ኣብ መንጎ ውድብና ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዝተፈፀመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራፅ ቶኸሲ፤ ፈረምቲ ኣካላት ንሕድሕዶም ማለት እውን እቲ ሓደ ፈራሚ ነቲ ካሊእ ፈራሚ ኣፍልጦ ብምሃብ ዝተበፅሐ ስምምዕ እዩ፡፡ ብመሰረት እቲ ሰምምዕ መንግስቲ ፌደራል ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ውድብና ኣንቢርዎ ዝነበረ ስያመ ራዕዲ ኣልዒሉ እዩ፡፡ ካብዚ ቀፂሉ ክመፅእ ዝግበኦ ዝነበረ ዝተሰረዘ…
-
“ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ይውፃእ! ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ውሕስንኦም ተሓልዩ ሕዚ ይመለሱ!!” ካብ ውድብ ህወሓት ዝተውሃበ ሰሙናዊ መልአኽቲ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፍቕን ኣቑፂሩ ኣሎ። እንተኾነ ግን እቲ ህዝቢ ትግራይ፣ ህወሓት ኮነ ደላይ ሰላም ዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ትፅቢት ዝገበረሉ ስምምዕ፤ ናብ ተግባር ብዘይምስግጋሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ መልክዑ ቀይሩ ሞት ፣ ስቓይን ሕሰምን ህዝብና ይቕፅል ኣሎ። ሉእላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ይርከብ ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝነብር…
-
ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ዝተውሃበ መግለፂ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣፈፃፅማ መደባት ሕሉፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ትልሚ ቀፃሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ገምጊሙ ዘፅደቐ እንትኾን፤ ኣብ ከባቢና ዘሎ ልዑል ቆላሕታን ጥንቃቐን ዝሓትት ዞባዊ ምዕባለን ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታትን ንትግራይ ብዝህልዎ ፅልዋ ብምግምጋም ኣንፈታት ኣቐሚጡ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ…
-
ውድብ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣቦወንበር እቲ ወድብ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተልእኾታቱ ንምፍፃም ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ውድብ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም። ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ስርሖም ንዝጀመሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ሰናይ ትምኒት ምጅማር ስራሕ ዘረባ ዘስምዐ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት…
-
ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ዝተዋህበ መግለፂ ሰናይ ትምኒት።

ህዝቢ ትግራይ ብወደር ኣልቦ ጅግንነቱን ክቡር መስዋእትነቱን ግሁድ ዝገበሮ ናይ ፕሪቶሪያ ውዕሊ ንዘምፀኦ ኣንፃራዊ ሰላም ተጠቒሙ፣ ግዝኣታዊ መሬቱ ብምምላስ፣ ዝተመዛበሉ ወገናቱ ናብ መረበቶም መሊሱ ናብ ናይ ዳግመ ህንፀትን ዝተረጋግዐ ናብራን ንኽምለስ ተሃንጥዩ እዃ እንተነበረ፣ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው መከርኡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ተናዊሑ ፀኒሑ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ለባምን መስተዋዕልን ህዝብና ምስ እቶም…
-
ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ንምንዋሕ ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ ፀዲቑ።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘካየዶ መበል 22 መደበኛ ኣኼብኡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ዘናውሕ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ኣፅዲቑ። እቲ ኣዋጅ ክሳብ ሐዚ እናሰርሐ ዝፀንሐ ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995 ዝትክእ ኣዋጅ ቁፅሪ 1373/2017 ኮይኑ ብክልተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ። እቲ ኣዋጅ ፥ ግዜያዊ ምምሕዳራት ክሳብ ክልተ ግዜ ንሓደ ዓመት…
-
“ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ!!”ህወሓት

ካብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ! ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኮይንዎ ኣሎ። ብወገን ህወሓትን ትግራይን እቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ተሰሪሑ እዩ። ምእንተ ሰላም ክብሃል ትግራይ ክትሽከሞም ዘይግብኣ ግፍዕታት ተሸኪማ ፀኒሓ እያ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ብፍላይ ንመሰልን ሃለዋትን ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ትሕዝቶታት እቲ…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንዘቐረቦ ክሲ መልሲ ሂቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንዘቐረቦ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምገለፆ “ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ጥቕምን ዝረጋገፅ ብሰላማዊ ቃልስን ዘተን እምበር ብኲናት ኣይኮነን ዝብል ፅኑዕ እምነትና ናይ ትማሊን ናይ ሎምን ፅባሕን መትከል እዩ” ዝበለ እንትኾን ህዝቢ ትግራይ ብረት ኣልዒሉ ዘጋጦሞ ፅንተታዊ ኲናት እንትጋፈጥ ዘጋጥሞ ኩለመዳያዊ ኪሳራ…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ቀረባ እዋን ብዘይ ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ምንቅስቓስ ጠጠው ክም ዝብል ብምግላፅ ኩሉ ነባራይ ካብ ቀበሌኡ መለለዪ መንነት ክወሰድ ኣተሓሳሲቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ከይሓዝካ ምንቅስቓስ ጠጠው ክም ዝብል ብምግላፅ ኩሉ ነባራይ ካብ ቀበሌኡ መለለዪ መንነት ክወሰድ ኣተሓሳሲቡ። ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ናይ ኩለን ዞባታት ጠለብ መሰረት ዝገበረ ሕትመት መለለዪ መንነት ተዛዚሙ ንዕደላ ከም ዝተዳለወ ዝሓበረ እንትኾን በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዞባታት ሰሜን ምዕራብ፣ ምምሕዳር ከተማ መቐለ፣ ዞባ…

