23 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ኣብ መንጎ ውድብና ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዝተፈፀመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራፅ ቶኸሲ፤ ፈረምቲ ኣካላት ንሕድሕዶም ማለት እውን እቲ ሓደ ፈራሚ ነቲ ካሊእ ፈራሚ ኣፍልጦ ብምሃብ ዝተበፅሐ ስምምዕ እዩ፡፡ ብመሰረት እቲ ሰምምዕ መንግስቲ ፌደራል ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ውድብና ኣንቢርዎ ዝነበረ ስያመ ራዕዲ ኣልዒሉ እዩ፡፡ ካብዚ ቀፂሉ ክመፅእ ዝግበኦ ዝነበረ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብና ህወሓት ናብ ዝነበሮ ምምላስ ክኾን እናተገበኦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ካብቲ ሰምምዕ ወፃኢ ናብ ተራ ቴክኒካዊ ጉዳያት እናወሰደ ዛጊድ ክፈፅሞ ኣይከኣለን፡፡
ብመንግስቲ ፌደራል ዝተሰረዘ ሕጋዊ ኣፍልጦ ወድብና ኣብ ፕሪቶርያ ምስቲ ስምምዕ ዝተመለሰ እኳ እንተኾነ ውድብና ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብምግዛእን ንሰላም ካብ ዘለዎ ድሌትን ኣፍልጦ ውድብና ብዕሊ ክምለስ ምስ ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራል ብተደጋጋሚ ዝርርባት ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብቶም ዝርርባት ኣወንታዊ ዝኾኑ መፅበዓታት ዝእቶ እኳ እንተኾነ ብቦርድ መረፃ ኣቢሉ ድማ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ወፃኢ ብዝኾነ መንገዲ ህወሓት ናብ ስሩዕ ከይዲ ሓዱሽ ምዝገባ ንምእታው ኣዋጃትን መግለፅታትን ኣብ ምውፃእ ይርከብ፡፡
ውድብና ህወሓት ነቲ ብቦርድ መረፃ ከም ብሓዱሽ ንምምዝጋብ ዝወፀ ሓደገኛ ኣዋጅ ይኹን በቢግዚኡ ዘውፅኦ ዘሎ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጠሓሰ መግለፅታት ከምዘይቕበሎ ብተደጋጋሚ ገሊፁ እዩ፡፡ ነዚ ስዒቡ እውን እቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝግበር ዘሎ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ ከይዲ ኣመልኪቱ ናብ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ዘቕረበ ኮይኑ እቲ ፓነል እውን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሕጋዊ ኣፍልጦ ህወሓት ክምለስን ከም ብሓዱሽ ክምዝገብ ከምዘይግባእን ብምግላፅ ውፅኢቱ ኣብ ቀፃሊ ኣኼባ ተወዲኡ ክፀንሕ ሓሳብ ሂቡ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ዛጊድ ብዘይምእካቡ ኣብ ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኮነ ዝረኣዩ ዘለዉ ጥሕሰታት ክግምግም ኣይከኣለን፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ድማ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንውደብና ህወሓት ዘይምልከት ኣዋጃት እናጠቀሰ መግለፅታት ኣብ ምውፃእ ተፀሚዱ ይርከብ፡፡
ህወሓት ከምቲ ደጋጊሙ ዝገለፆ ኣፍልጦ ክረክብ ኢሉ ቃልስን መኸተን ህዝቢ ትግራይ ክሕንሽሽ ኣይኽእልን። ሓምሳ ዓመት ዘቑፀረን ብመስዋእቲ ብሉፃት ደቂ ህዝቢ ትግራይ ዝተሃነፀን ህወሓት ከም ብሓዱሽ ክምዝገብ ኣይኽእልን፡፡ ሕዚ እውን መንግስቲ ፌደራል ነቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ብተደጋጋሚ ዘውፆ ዘሎ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝወፀ መግለፅታት ካብ ምውፃእ ተቆጢቡ ንዘላቒ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝጠቅም መልክዑ ዝሰረዞ ኣፍለጦ ውድብና ክምልሶ ይግባእ ንብል፡፡
ኣደራደርቲ ፣ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ሕጋዊ ኣፍልጦ ህወሓት ዘይምምላስ ኣብቲ ስምምዕ ዘስዕቦ ሓደገኛ ሳዕቤን ተረዲኡ ብሓፈሻ ድማ መንግስቲ ፌደራል ንዝኣተዎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፅም እጃሞም ክዋፅኡን ቀፃልነት ዘለዎ ክትትል ኣፈፃፅማ ክገብሩን ይግባእ ድማ ንብል፡፡
ዘለኣለማዊ ክብርን መጎስን ንስውኣትና!



Leave a Reply