ፀላእትና ካብ መርየት ምዕራብ ትግራይ ብዝረኸብዎ ኢኮነሚያውን ፖለቲካውን ፋይዳ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ትግራይን ህዝባን እዚ ከባቢ ብምስኣኖም ዝኸስርዎ መጠን እናለክዑ ኩሉ መደያዊ ክፍኣተ-ተግባሮም ኣጠናኺሮም ቀፂሎምሉ ኣለው።
መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቱን እዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብ-ስራሕ ክፍተት ፖለቲካዊ መሪሕነት እናመዝመዙ ኣብ ጥቅሞም ናይ ምውዓል ተግባር ብዝኸፈአን ብዘተሓሳስብን መልክዑ ኣጠናኺሮም እናቐፀልሉ ይርከቡ። ሰራዊት ምክልኻል ሀገር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣምሓራ “መንበሪ ገዛን መርየት ሕርሻን ክወሃበኩም እዩ” እናበለ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁፀሩ መናእሰያት ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ እናግዓዘ ብሹም ” ዘብዒ, ተከዘ” ወታደራዊ ስልጠና፣ ዕጥቂ፣ መንበሪ ገዛን መሬት ሕርሻን እናዓደለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ቅርሕንትን ዘይዛሪ ህልቂትን ክፍጠር ብዕቱብ እናሰረሐ ይርከብ።
ከም እኒ ሚኒስተር ትምህርቲ ዝበላ ትካላት ፌደራል ድማ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከባ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ “ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ ዞን” ጠርኒፈን ኢ-ሕገመንግስታዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣምሓራዊ መንነት ኣላቢሰነእን ይርከባ። ብተመሳሳሊ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ጀሚርዎ ኣብ ዘሎ ምዕዳል ብሄራዊ መለለዪ መንነት ካርድ ኣብቲ ዝምላእ ቅጥዒ ምዕራብ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ትግራይ ብምውፃእ ‘ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ ዞን” ኢሉ ኣብ ትሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ መዲብዎ ይርከብ።
እዚ ደጋዊ ተፅዕኖ ፌደራል መንግስትን መሻርኸቱን ምስቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ክፍተት መሪሕነት ፖለቲካ ተደሚሩ ስቃይን መከራን ህዝብና ካብ ምግዳድ ሓሊፉ ኣብ ቀፃሊ መንነት፤ ባህልን ቋንቋን ህዝብና ግልፅን እዋናውን ሓደጋ ኣውዲቑ ይርከብ። ብፍላይ ነዚ ኸፍተት ከፅብብ ትፅቢት ዝተገበረሉ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ሓዱሽ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝዘርገሖ ትልሚ ስራሕ፤ ኣብ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ተጋሩ ግልፂ ዝኾነ ተግባራዊ ትልሚ ብዘይምቕማጡ ኣጀማምርኡ ዘጠራጥርን ዘየርክዕን መሲሉ ክረአ ጀሚሩ ኣሎ። ንሕና ከም ኣብ ጉዳይምምላስ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ምዕራብ ትግራይ ኣድሂብና እንሰርሕ ማሕበር፤ ጉዳይ ምምላስ ኩሎም ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ተጋሩ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ ትግራይ ተሰሪዑ ህፁፅ ተግባራዊ ስራሕ ክኸውን እናተገበኦ፤ ኣብ ዝተለመዱን መደንዘዝትን ኣጀንዳታት ኮለል ምባል እናተለመደ ይመፅእ ብምህላው ዓብይ ስግኣት ሓዲሩና ይርከብ።
ብምዃኑ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሐዚ ውን ዝተወሃቦ ዕድልን ግዘን ብኣግባቡ ተጠቒሙ፤ ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ተጋሩ ቅድሚ ኹሎም ኣጀንዳታት ትግራይ ሰሪዑ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ህዝብን መንግስትን ኣለዓዒሉ ፈላማይን ብሕታውን ጠለብ ኩሉ ትግራዋይ ጌሩ ክሰርሕ ንላቦ። ብተወሳኺ ፌደራል መንግስትን መሻርኸቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መርየትን ምዕራብ ትግራይ ዝኸተልዎ ዘለው ግጉይን ኣድሎኣውን ከምኡ እውን ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ከም ህዝቢ ናይ ምብታንን ምፅናትን ኣከያይዳታት ብዘይ ወዓል-ሕደር ክስተኻኸሉ ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሕ ኣጥቢቕና ንሓትት።



Leave a Reply