ህዝቢ ትግራይ ብወደር ኣልቦ ጅግንነቱን ክቡር መስዋእትነቱን ግሁድ ዝገበሮ ናይ ፕሪቶሪያ ውዕሊ ንዘምፀኦ ኣንፃራዊ ሰላም ተጠቒሙ፣ ግዝኣታዊ መሬቱ ብምምላስ፣ ዝተመዛበሉ ወገናቱ ናብ መረበቶም መሊሱ ናብ ናይ ዳግመ ህንፀትን ዝተረጋግዐ ናብራን ንኽምለስ ተሃንጥዩ እዃ እንተነበረ፣ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው መከርኡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ተናዊሑ ፀኒሑ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ለባምን መስተዋዕልን ህዝብና ምስ እቶም ኣብ ድሕንነትን መሰልን ህዝቢ ዘይዋገዩ ደቁ ዝኾኑ ሰራዊት ትግራይተናቢቡ ነቲ ፀገም ብውሕሉልን ሰላማዊን መንገዲ ኣልዩ፣ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ናብዝሓሸ ኩነታት ንኽመፅእ ገይርዎ ኣሎ።
ኾይኑ እውን ንፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣተሓላሊኽዎ ዝፀንሐ ናይ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኩነታት መዕለቢ ረኺቡ፣ ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ልብን ኣቓልቦን ንትግበራ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝብገሰሉ ምችዊ ኩነታት ከምዝፈጥር እምነትና ፅኑዕ እዩ። ስለዝኾነ እውን ሌ/ጀኔራል ታደሰ ወረደ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳርትግራይ ኮይኖም ምምራፆም ዝተሰመዐና ሓጎስን ዘለና ሰናይ ትምኒትን እናገለፅና፣ ሓላፍነቶም ንምፍፃም ኣብ ዝገብርዎ ስራሕቲ ደገፍና ከምዘይፍለዮም ክነረጋግፅ ንፈቱ።
ካብዚ ብተወሳኺ መላእ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ወፃእ ዘሎ ኩሉ ትግራዋይን ካብ ሕሉፍ ልምድና ተማሂርና ትኹረትናን ኣቓልቦናን ኣብ ረብሓታን ድሕንነተን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ንኽኸውንን፣ ሓድነትና ኣደልዲልና ድማ ናብ ሽቱኡ ንኽነብፅሖ ተሪርና ንኽንቃለስን ንላቦ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!!!



Leave a Reply