Tag: #ጀነራል ታደሰ ወረደ
-
ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ዝተዋህበ መግለፂ ሰናይ ትምኒት።

ህዝቢ ትግራይ ብወደር ኣልቦ ጅግንነቱን ክቡር መስዋእትነቱን ግሁድ ዝገበሮ ናይ ፕሪቶሪያ ውዕሊ ንዘምፀኦ ኣንፃራዊ ሰላም ተጠቒሙ፣ ግዝኣታዊ መሬቱ ብምምላስ፣ ዝተመዛበሉ ወገናቱ ናብ መረበቶም መሊሱ ናብ ናይ ዳግመ ህንፀትን ዝተረጋግዐ ናብራን ንኽምለስ ተሃንጥዩ እዃ እንተነበረ፣ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው መከርኡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ተናዊሑ ፀኒሑ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ለባምን መስተዋዕልን ህዝብና ምስ እቶም…

