Tag: #ህወሓት
-
ውድብ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣቦወንበር እቲ ወድብ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተልእኾታቱ ንምፍፃም ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ውድብ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም። ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ስርሖም ንዝጀመሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ሰናይ ትምኒት ምጅማር ስራሕ ዘረባ ዘስምዐ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት…
-
“ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ!!”ህወሓት

ካብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ! ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኮይንዎ ኣሎ። ብወገን ህወሓትን ትግራይን እቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ተሰሪሑ እዩ። ምእንተ ሰላም ክብሃል ትግራይ ክትሽከሞም ዘይግብኣ ግፍዕታት ተሸኪማ ፀኒሓ እያ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ብፍላይ ንመሰልን ሃለዋትን ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ትሕዝቶታት እቲ…
-
ብመርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ኢንተለጀንስን ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክን (OMN) መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ ብዝብል ንዘውፅእዎ ሓበሬታ ህወሓት ሓሶት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

ብመርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ኢንተለጀንስን ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክን (OMN) መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ ብዝብል ንዘውፅእዎ ሓበሬታ ህወሓት ሓሶት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ። መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ኢንተለጀንስ ብዕለት 16.6.2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ ዜና ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ኣብ መወዳአታ ጥሪ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢስያስ ኣፍወርቂ ከምዝተራኸቡ ብምግላፅ ብዕለት 6 የካቲት ናብ መቐለ ዑደት…
-
ካብ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሓቀኛ ሰላም’ዩ!! ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ዘለዎ ግዝያዊ ኩነታት ከምዘሎ ኮይኑ፤ ኣብ መዋእል ታሪኽ ዓለም ዘኹርዕን ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ ስልጣነ ዘለዎን ንዝኾነ ይኹን መግዛእቲ ርኡሱ ኣድኒኑ ዘይቕበል ታሪኽ ዝወነነ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ንሉኡላውነቱን መንነቱን ዝፃብኡ ወረርትን ጨቆንቲ ገዛእትን ተቓሊሱ ዝመከተ ህዝቢ ምዃኑ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ናይ ቀረባ ታሪኽ ኲናት…
-
ውሳነታት ብሄራዊ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ

ንሕና በዝሕና ልዕሊ ሓደ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዝኾንና ካብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ተወኪልና ዝመፃእና፤ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ወራር ኮይኑ ሕዚ ‘ውን ጄኖሳይድ ዝፍፀመሉ ዘሎ ህዝብና፣ ሓራ ዘይወፅአ ልኡላዊ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣትና፣ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና፣ ብሄራዊ ረብሓታትን፣ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ህልውና ኣብያተ ምኽርና፣ ኩነታት…
-
ውሳነታት ህዝባዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይን ፣ውድብ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ናብ ተግባር ይሰጋገር ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዞባን ወረዳታትን ትግራይ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ አብ ወረዳታት ጉለምኸዳ ፣ክልተ ኣውላዕሎ፣ፅራእ ወንበርታ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ሓውዜን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ዞባ ዝርከቡ ተመዛበልትን ነበርትን ኣብቲ ሰልፊ እናተሳተፉ ይርከቡ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታት ዞባ ማእኸል ፣ ዓድዋ ፣ እንትጮ፣ኣክሱምን ብተወሳኺ ኣብ ከተማታት ዓብዪ ዓዲ ፣ጣንቋ ምላሽን ኣብቲ ኸባቢ ተዓቒቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ዝተሳተፉሉ…

