Tag: Tigray Genocide
-
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ 6 ወረቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ተገሊፁ ።

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ጋባ ዝተበገሰ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ በረኻታት ዋልድባ ኣትዩ ኣብቲ ቦታ ኣብ ስራሕቲ ምእራይ ወርቂ ዝተዋፈሩ 6 ወርቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ፍልፍላትና ሓቢሮም ፡፡ መንግስቲ ብልፅግና ዘዋፈሮም ኣኽበርቲ ሰላም ዝብል ጉልባብ ዝተኸደኑ ዕጡቃት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምኳን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወረዳታት ፀልምቲ ከበድቲ ግፍዕታት ምፍፃም ቀፂሎሙሉ ዝርከቡ ኮይኖም ኣብቲ ናይ…
-
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ መጣየሺ ደንቢ ሓይሊ ኒውክለር ኢትዮጵያ ብምፅዳቕ ን ኣይተ ሳንዶካ ደበበ ኮምሽነር ገይሩ ከም ዝሾመ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ መጣየሺ ደንቢ ሓይሊ ኒውክለር ኢትዮጵያ ብምፅዳቕ ን ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ኮምሽነር ገይሩ ከም ዝሾመ ኣፍሊጡ። ቤትምኽሪ ሚኒስራት ኢትዮጵያ ሎሚ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ መበል 49 መደበኛ ኣኼብኡ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክለር ኢትዮጵያ ንምጥያሽ ዝወፅአ ረቒቕ ኣፅዲቑ። ነዚ ስዒቡ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ…
-
ናይዚ መድረኽ ልኡኽና ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ምርግጋፅን ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላስን እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

40 ሚኢታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት እዩ ዘሎ፤ ስለዚ ናይዚ መድረኽ ልኡኽና ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ምርግጋፅን ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላስን እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝበሉ ንኣምባሳዶር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ጄነስ ሃኒፈልድ ሎሚ 28 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ፅሕፈቶም ተቐቢሎም…
-
ካብ ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተውሃበ መግለጺ።

ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዬ ትግራይ ከምቲ ዝፍለጥ ጓል ኣንሰተይቲ ትግራይ ማለት ብርሃን ገዛ ዓንዲ ሕቖ ናይ ማሕበረሰብ እያ ኮታስ ጓል ኣንስተይቲ ማለት ትግራይ እያ። ግን ብኣንፃሩ ዕሸላት ደቂ ኣንስትዮ ኣሓትና ኣብ ዛዓለም ክትነብራ ኣይተፈቐደክንን ተባሂለን ይግፍዓን፤ይድፈራን፣ ይቕተላን ኣለዋ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝቐረባ ግዜ ንሰሞዖን ንርእዬን ዘለና መስካሕክሕን መሕዘኒን ንትግራዋይ ዘይምጥንን ነተን ካፍቱ ናይ ፅንተትን ጆኖሳይዳል ኩናት…
-
ካብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማ.ተ.ሰ.ኣ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ኣይግባእን!!! ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሂቡ ዝቃለሰሎም ሓያሎ ዝተሓላለኹ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ሕቶታት እኳ እንተሃለውዎ፣ ናይ ቀደምቲ ቀዳሚ ገይሩ ሰሪዑ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ግና ሕቶ ምምላስ ሉኣላዊ መሬት ትግራይን ተመዛበልቲ ወገናትናን ምዃኑ እሙን እዩ። ኮይኑ ግና እቶም ነዚ ከተግብሩ ብህዝቢን ብውዳበታትን ሓላፍነት ብዝተዋህቦም ኣካላት…
-
ብሰንኪ ነታጒ ሂወት ሰለስተ ሰባት ጠፊኡ።

ሎሚ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያ ስምረት ኣብ ገዛ ዉሽጢ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃን ዝርከቦም ሂወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ ። እቶም ግዳያት ዝወዳደቑ ተተኮስቲ ናብ ገዝኦም ሒዞም ብምኻድ ክቃፀል ብምግባር ኣብ ገዝኦም ዉሽጢ ብምፍንጃሩ ሂወቶም ክስእኑ ዝኸኣሉን ኣባላት ሓደ ስድራ ከምዝኾኑን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ፀጥታ ምምሕዳር ወረዳ…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ትማሊ ምሸት ብኣሰና ቴሌቭዥኝ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህወሓትን ጀነራላትን ይእሰሩ ኣለዉ ብዝብል ዘውፅኦ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ምዃኑ ኣፍሊጡ ።

ቢሮሰላምን ፀጥታን ትግራይ ብቴሌቪዥን ኣሰና ብፍላጥ ካብ ለይቲ ጀሚሩ “ሰበር ዜና”ብዝብል ጀነራላትን ፖለቲከኛታትን ይእሰሩ ኣለዉ ብምባል ኣሽማት ፀሪሑ ክፍንዎ ዝሓደረ ልሙድ ፃዕዳ ሓሶት ህዝቢ ትግራይ ራዕዲ ክስምዖን ክሕመስን ተፈጢሩ ዘሎ ፓለቲካዊ ውጥጥውን ተወሳሲቡ ናይ ሓባር ጥፍኣት ከስዕብን ኮነ ተባሂሉ ዝንዛሕ ዘሎ ፀሊም ፕሮፓጋንዳ እዩ ክብል ኮኒኑዎ። ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ፀገማቱ ብባዕሉ ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መንገዲ ከምዝፈትሕን…
-
ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ዕውት ጉባኤ ኣካይዳ።

ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈተ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናት ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ብግልፂ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብሙኻን ብፋይናንስን ብፕሮፖጋንዳን ደጊፋ ኣንፃር ተኸተልታ ምውጋና ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ እምነት ክሕሉን ከቐፅልን ክብል ጎድናጎድኒ ናይ ህልውና ቃልሱ ናይ ባዕሉ ቤተክህነት ከጣይሽ ስለ ዝግባእ ብመራሕቲ ሃይማኖት…

