Tag: #ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
-
እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ።

ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡን ብሄራዊ ረብሕኡን ንምርግጋፅ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ እናካየደ ምዃኑ ይፍለጥ። ቁልፊ ሕቶኡን ጠለቡን ‘ውን ውዕል ፕሪቶሪያ እንከይተሸራረፈ ክትግበርን ካብ ናይ ኲናት ስግኣት ተናጊፉ ረብሕኡን መሰሉን ክሕለወሉን እዩ። ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን መሰረታዊ ሕቶታትን ጠለባትን ህዝቢ ትግራይ ንምምላስን ሰላሙን ድሕንነቱን ብዘተኣማምን ውሑስ ንምግባርን፣ ሰምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈጠረሉ ዕድል ብዘየናስሕ ደረጃ ፀንቂቑ ብምጥቃም ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ንምርግጋፅን…
-
ናይዚ መድረኽ ልኡኽና ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ምርግጋፅን ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላስን እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

40 ሚኢታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት እዩ ዘሎ፤ ስለዚ ናይዚ መድረኽ ልኡኽና ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ምርግጋፅን ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላስን እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝበሉ ንኣምባሳዶር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ጄነስ ሃኒፈልድ ሎሚ 28 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ፅሕፈቶም ተቐቢሎም…
-
እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ፦

ከም ዝፍለጥ ከም ህዝቢ ናይ ህልውና መሪር ተጋድሎ ከነካይድ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ዘላቂ ተፃብኦ ጠጠው ብናይ ምባል ውዕል ተኸቲሙ፣ ኣብ ክሊ እቲ ውዕል ኮይንና ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቃልሲ እናካየድና ምዃንና ኩሉ ዝርድኦ’ዩ ። ምእንተ ዘላቂ ሰላም ክበሃል ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ እንከይተረጋገፀ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ኮነ ኣብ መዕቆቢ ማእኸላት ዘሎ ህዝብና ንምግላፁ ዝድንፁ ህይወት እናሕለፈ፣ ከም…
-
ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ምስ ኣማራርሓን ተወከልትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ዘትዮም።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማሕለኻታትን ፀገማትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ኣመልኪቶም ኣማራርሓን ተወከልትን እቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ሎሚ 5 ማዝያ 2017 ዓ/ም ዘትዮም። እቶም ኣመራርሓን ተወከልትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ዘለውዎም ቁልፊ ፀገማትን ማሕንቆታትን ጠሚሮም ዘቕረቡ ኮይኖም፣ ብቐንዱ ድማ እቶም ፀገማት ምስ መስርሕን መሸጥን ፣ ምስ ግልጋሎት ልቃሕ ባንክታት፣ ፌዴራል መንግስቲ ዘውፅኦም መምርሕታትን ኣብቲ ንግዲ ማሕበረሰብ ብዛዕባ…
-
ውድብ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣቦወንበር እቲ ወድብ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተልእኾታቱ ንምፍፃም ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ውድብ ህወሓት ከም ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ተደጋጊፉ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም። ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ስርሖም ንዝጀመሩ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ሰናይ ትምኒት ምጅማር ስራሕ ዘረባ ዘስምዐ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት…
-
ኣብ ምንዋሕ ጊዜ ገደብን ሙሻም ሓዱሽ ፕረዚደንትን ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣድሂቡ ካብ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ።

ኣብ ምንዋሕ ጊዜ ገደብን ሙሻም ሓዱሽ ፕረዚደንትን ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣድሂቡ ካብ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ። ድሕሪ ምፍራም ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተጣየሽ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክዓዮም ካብ ዝተወሃብዎ ዓበይቲ ተግባራት ሓደ ‘ ተመዛቢሎምን ተሰዲዶምን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ከቢድ ስቃይን መከራን ኣብ ምሕላፍ ዝርከቡ ህዝብና ብዘይ ምንም ቅድመ-ኩነት ውሑስን ቁልጡፍን ብዝኾነ መንገዲ ናብ…
-
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ.ር ኣብዪ ኣሕመድ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንዝነበሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዘሰናበቱ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ.ር ኣብዪ ኣሕመድ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንዝነበሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዘሰናበቱ ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ንዘገልገሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ 29 መጋቢት 2017 ዓ.ም ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ኣብ ዝዘርግሕዎ መልአኸቲ ካብ መዝነቱ ከም ዘሰናበትዎ ኣመላኺቶም። ኣይተ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ ስምምዕነት…
-
ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ንምንዋሕ ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ ፀዲቑ።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘካየዶ መበል 22 መደበኛ ኣኼብኡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ዘናውሕ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ኣፅዲቑ። እቲ ኣዋጅ ክሳብ ሐዚ እናሰርሐ ዝፀንሐ ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995 ዝትክእ ኣዋጅ ቁፅሪ 1373/2017 ኮይኑ ብክልተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ። እቲ ኣዋጅ ፥ ግዜያዊ ምምሕዳራት ክሳብ ክልተ ግዜ ንሓደ ዓመት…
-
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል ኣመልኪቱ ንዝበፅሖ ደብዳበ ዝሃቦ መልሲ።

ዋኒኑ፡ ኣማኻሪ ካውንስል ብዝምልከት ዘለና መርገፂ ምፍላጥ ይምልከት። ቤት ፅሕፈትኩም ብቁፅሪ 9/34/8/07 ናብ ውድብና ብዝለኣኽኩምልና ደብዳበ መሰረት ብቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቅድም ክብል ዝፀደቐ ደንቢ ቁፅሪ 10/2016 መሰረት ካብ ውድብና ሽዱሽተ (6ተ) ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ኮይኖም ዝሳተፉ ብስሩዕ ደብዳበ ኣቢልኩም ሽም ዝርዝሮም ክንልእኽ ከም ዝሓትትኩምና ይፍለጥ። ብመሰረት እዚ ፃውዒት ድማ ውድብ ሳልሳይ…

