ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ.ር ኣብዪ ኣሕመድ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንዝነበሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዘሰናበቱ ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ንዘገልገሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ 29 መጋቢት 2017 ዓ.ም ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ኣብ ዝዘርግሕዎ መልአኸቲ ካብ መዝነቱ ከም ዘሰናበትዎ ኣመላኺቶም።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተረኸበ ሰላም ኣብ ምዕቃብ ንዝነበሮም ልዕል ኣበርክቶን ንዝሃብዎ ኣመራርሓን ፌደራል መንግስቲ ኣፍልጦ ከምዝህብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መልእኽቶም ከምዝሓበርዎ ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቀፀልቲ ሰራሕቲ ብሓባር ከምዝሰርሑ ብምምልኻት ንዝነበሮም ፃንሒት ኣመስጊኖም።



Leave a Reply