Tag: #ማእኸላይ_ምብራቕ
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደብዳብ ኣየር ምክያዳ ስዒቡ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ደጊማ ክትዓፅዎ ከምትኽእል ኣጠንቂቓ።

ኢራንን ኣሜሪካን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣደራዳራይነት ፓኪስታንን ኳታርን መረዳድኢ ውዕሊ ከምዝተፈራረማ ዝዝከር እንትኾን፤ ይኹን እምበር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እናካየደቶ ዘላ ደብዳብ ኣየር ብዘይምቁራፃ ምኽንያት ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ደጊማ ክትዓፅዎ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ። ድሕሪ ስምምዕነት ኢራንን ኣሜሪካን ወሽመጥ ሆርሙዝ ናብ ምሉእ ኣገልግሎት ተመሊሱ ዝነበረ ኮይኑ፥ Pakistan today ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ትማሊ ኣማስዩ ሒዝዎ ዝወፀ ሓበሬታ…
-
ኣሜሪካ ብሓይልታት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተፈፂሙ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ኮኒና።

ኣሜሪካ ትማሊ ኣብ ኣኼባ ቤትምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕብራት መንግስታት ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ዝምልከት ኣብ ዘቕረበቶ ርኢቶ፡ ሓይልታት ሑቲ ብዕለት 8 ሰነ 2026 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተፈፂሙ ንዝበለቶ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ኮኒና። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኾና ጄኒፈር ሎኬታ ኣብ የመን ብዛዕባ ዘሎ ምንቅስቓስ ነቲ ቤት ምኽሪ እንተቕርባ፤ ሓይልታት ሑቲ ኣብ…
-
ኣሜሪካን ኢራንን ብነፈርቲን ሚሳኤልን ከም ዝተጠቓቕዓ ተገሊፁ።

መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ሒዙዎ ዝወፀ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣሜሪካን ኢራንን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ክፈራረማ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ዓርቢ ብኣየርን ሚሳኤልንመጥቃዕቲ ከምዝተለዋወጣ ፀበፂቡ። ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝከታተል ዘሎ ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከም ዝገለፆ ኣብ መስመራት ንግዲ ባሕሪ ስግኣት ፈጢረን ዝነበራ 4 ኣጥፊአን ዝጠፍኣ ሻሄድ-136 ዝዓይነተን ድሮናት ኢራን ወቒዑ…
-
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተፈጠረ ምኽባር ዋጋ ነዳዲ፡ ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜሪካ ዘይተሓሰበ ትርፊ ክረኽባ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተፈጠረ ምኽባር ዋጋ ነዳዲ፡ ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜሪካ ዘይተሓሰበ ትርፊ ክረኽባ ከምዝገበረ ተሓቢሩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብተን ዝለዓለ መጠን ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዘቕርባ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝመፅእ ዝነበረ ነዳዲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ምቁራፁ ስዒቡ ዝለዓለ ናህሪ ዋጋን ሕፅረት ቀረብን ከምዘጋጠመ እናተሓበረ ዘሎ እንትኾን፥ ከም ውፅኢቱ ድማ…
-
ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ሕፀረት ቀረብ ነዳዲ ሃገራት ምምዕባል ሓይሊ ኒውክለር ከምመማረፂ ክጥቀማ ይግደዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ሕፀረት ቀረብ ነዳዲ ሃገራት ምምዕባል ሓይሊ ኒውክለር ከምመማረፂ ክጥቀማ ይግደዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንግስታት ዝያዳ ርጉእን ትሑትን ወፅኢታት ዘለዎም ምንጪ ፀዓት ኣብ ዝደልዩሉን ቅድሚ ሕጂ ንኣቶሚካዊ ሓይሊ ዝነበረ ተቓውሞ ዳግማይ ኣብ ዝሓስቡሉን ዘለዉ እዋን፡ ኢንዱስትሪ ኒዩክለር ነቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዶናልድ ትራምፕ ክቕፅል ገይርዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ ኣብ…
-
ብሰንኪ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ንዓውዲ ቱሪዝም እቲ ዞባ ከምዘዳኸሞ ተገሊፁ።

ብሰንኪ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ንዓውዲ ቱሪዝም እቲ ዞባ ከምዘዳኸሞ ተገሊፁ። ብሰንኪ እቲ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም (ህወፃ) ዝረኽብኦ ዝነበራ ኣታዊ ከምዘስኣነን ተሓቢሩ። እተን ሃገራት ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ መዓልቲ ኣስታት 600 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ይረኽባ ምንባረን ዝተሓበረ እንትኾን ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት…
-
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

እስራኤል ሎሚ ንጉሆ ቅድመ ምክልኻል ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኤራን መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ብምግላፅ ኢራን ክትወስዶ ዝትኽእል ናይ ሕነምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሙሉእ እስራኤል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣመሓላሊፎም። ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ትዊተር ኣካውንቱ (X) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብመንፅር ህሉው ኩነታት፡ ካብ ሎሚ…

