Tag: #ትግራይ ወቕታዊ
-
እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ…

ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ንሰላማዊን ፖለቲካዊን መስርሕ ዝህውኹ ምዕባለታት፣ ንውዕል ፕሪቶርያ ዝጎድኡ ምንቅስቃሳት ንዕዘብ ኣለና። ትግራይ ንምህዋኽን ነኒባዕልና ንምድማይን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ዓፋር ዕጡቃት ክውደቡን ክዕጠቑን ጥጡሕ ባይታ ብምፍጣር ፣ ብምድጋፍን ተልእኾ ብምሃብን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተደጋጋሚ ፃሕታሪ ምንቅስቃስ ክግበር ፀኒሑን ኣሎን። እዚ ብስም “ሓራ መሬት” ኣብ ዓፋር ዝርከብ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተደጋጋሚ፣…
-
ናይ ቪዛ ግዜኦም ዘሕለፉ ልዕሊ 36,000 ዝኾኑ ወፃእተኛታታት ከምዝቐፅዐ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ናይ ቪዛ ግዜኦም ዘሕለፉ ልዕሊ 36,000 ዝኾኑ ወፃእተኛታታት ከምዝቐፅዐ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ንክፀንሑ ዝተውሃቦም ናይ ቪዛ ግዜኦም ዘሕለፉ ልዕሊ 36,000 ናይ ወፃኢ ዜጋታታት ተቀፂዖም ናብ ሕጋዊ መስመር ንክምለሱ ከምዝገበረ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ገለፁ። ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ዜጋታት ሕጊ ኣኽቢሮም ንክንቀሳቐሱ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት…
-
ሕቶ መሰልን ተጠቃምነትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ናብ ዝምለከቶ ኣካል ከምዝተመርሐ ተሓቢሩ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ሕቶ መሰልን ተጠቃምነትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘትዩ ንዝምለከቶ ኣካል ከም ዝመርሐ ተገሊፁ። እዚ ሎሚ 05 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ቐሪቡ ምይይጥ ዝተገበረሉ ሕቶ መሰልን ተጠቃምነትን: ካብ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ እናተሰርሐሉ ዝመፀን ብፍላይ ካብ ሰነ 2017 ዓ/ም ድማ ነዚ ክሰርሕ…
-
ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስን ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ተፈፃሚ ምግባርን ካብቶም ቁልፊ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኖም ፕረዚዳንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ኣፍሊጦም።

ህላወን ድሕንነትን ትግራይን ህዝባን ንምውሓስ ውድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባብናን ብብሰለት ብምርዳእን ጌጋታት ከይንፍፅም ተጠንቕቕናን ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝፍፀሙ መደባትን ኣንፈታትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣመልኪቶም ንኣመራርሓ ወረዳታት ፣ ከተማታትን ዞባታትን ትማሊ 8 ሰነ 2017 ዓ/ም ናይ ስራሕ መምርሕን ናይ መደብ ኦረንቴሽንን…
-
“ዝሓሰሞ ህዝቢ ህፁፅ መፍትሒ ይጠልብ ኣሎ!” ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

ህዝቢ ትግራይ ብፅንዓት ተቓሊሱ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ዓጊቱ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ሰለስተ ዓመቱ ክመልእ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ኣሎ። እንተኾነ ግን እቲ ሞትን ስቓይን ህዝብና ጠጠው ከብል ተስፋ ዝተገበረሉ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዛጊድ ብዘይምትግባሩ ኣብ ውሽጢ ወረርቲ ዝርከብ ህዝብና ብመንነቱ ይቕተልን ይሳቐን፣ ዝተሰደደን ዝተመዛበለን ህዝብና ሕዚ እውን ኣብ ከቢድ ስቓይን ሞትን ኮይኑ ኣብ ድርኩኺት ሓምሻይ…
-
ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ኣይንኸርምን” ብዝብል ጭርሖ ዝቕፅል ዘሎ ሰልፊ ተመዛበልቲ ወገናት ሎሚ እውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ቀፂሉ ውዒሉ።

ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝቐፀለ ሰልፊ ተመዛበልቲ ወገናት ሎምዓንቲ እውን ቀፂሉ እንትውዕል ናብ ቤትፅሕፈት ውድብ ህወሓት ብምኻድ ምስ ሓላፊት ቤትፅሕፈት ህወሓት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር (ሞንጀሪኖ)ን ሓላፊት ዘፈር ውዳበታት ህዝቢን ምክትል ሓላፊት ቤትፅሕፈት ውድብ ህወሓት ሊያ ካሳን ዘተ ኣካይዶም። እቶም ተመዛበልቲ ንሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ክነሕልፍ ኣይግበኣን፣ ፅንተት ብዘይ ኩናት ይኣክል፣ ድምፂ ተመዛበልቲ ይሰማዕ፣ ናብ ስራሕኹም ክትኣትዉ…
-
“ዝቐፀለ ፅንታ ብሰላሕታ፤ የብቅዕ!” ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ናይ ቀዳምነት ቀዳማይ ዋኒኑ ምርግጋፅ ውሕስና ህዝቢ ትግራይን ምውሓስ ሉእላውነት ትግራይን እዩ፡፡ ነዚ እውን እዩ ንዝሓለለፉ ሰሙናት ኣብ ዘውፆ ሰሙናዊ መልእኽቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትግበር ሞትን ሰቓይን ህዝብና ከብቅዕ፣ ልኡላዊነት ትግራይ ክኽበር ኣብ ምፅዋዕ ዝርከብ፡፡ እንተኾነ ግን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ነቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ፃውዒታት ብውነ…
-
ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌት ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ።

ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌት ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ። ብናይ ንግዲ ስራሕ ከምኡ እውን ሰላማውን ዲምክራስያውን መማረፂታት ክትክተል ከምዘለዋ እውን ኣመላኺታ። ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ በሪ ተበፃሕነት “ብንግዲ”ከምኡ እውን ሰለማዊን ዲሞክራሲያዊን ብዝኾነ ኣገባብ ንምስፋሕ እትገብሮ ፃዕሪ ከምእትድግፍ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ገሊፆም። ኣምሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ኣጥቢቖም ከምዝጠቐስዎ ” እዚ ጉዳይ ኢኮኖሚያዊ ኣንፈት ኢትዮጵያ…
-
ማሕበራዉን ቁጠባዉን ፀገማት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ንምፍታሕ ጭቡጥ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ብምግንዛብ ዝከኣል ኩሉ ክስራሕ እዩ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ዘለዎም ማሕበራዉን ቁጠባዉን ፀገማት ክፍተሐሎም ንቢሮ ጥዕናን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሕቶታት እናቕረቡ ምፅንሖም ይፍለጥ። ንሕቶን ጠለብን ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ንምፍታሕ ድማ፣ ፈለማ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብ5 ግንቦት 2017 ዓ.ም ካብ ትሽዓቲኦም ማሕበራት ሰብሞያ ጥዕና ትግራይ ምስ ዝተወከሉ ኣካላትን ዝምልከቶም ሓለፍቲ ቢሮን አብ ዝተረኸብሉ ዝርዝር ምይይጥ ከም ዝተኻየደ ቤት-ፅሕፈት…


