Tag: #ትግራይ ወቕታዊ
-
ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይጥቀሙ ኣጊዳ።

ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይጥቀሙ ኣጊዳ። ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ህፃናት ሰገናትን ከም ቲክቶክ፣ ኤክስ/ትዊተር፣ ፌስቡክ፣ ኢንስታግራም፣ ዩቲዩብ፣ ስናፕቻት ዝበሉ መተግበርታት ከይጥቀሙ ዝኽልክል ሕጊ ክትትግብር ምዃና ኣፍሊጣ። ዛጊድ ምስ ሜታ፣ ዩቲዩብ ቲክቶክን ንተግባራውነት እቲ ሕጊ ምርድዳእ ከም ዝተፈጠረን ምስ ሰብ ዋና እዞም ትካላት ከም ዝተስማዕምዑን ምስ ኤክስ/ትዊተር ድማ ኣብ ምዝርራብ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።…
-
“ማሕበረሰብ ዓለም ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ምፍራስ ንምድሓን ክረባረበሉ ዝግባእ እዋን ሕዚ እዩ!” ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ጀኖሳይድ ኣዊጁ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፅናት ይርከብ፡፡ ዋላ እኳ ነቲ ዝጀመሮ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ጠጠው ንምባል ዘላቒ ስምምዕ ምቁራፅ ቶኽሲ እንተተፈረመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሕዚ እውን ዝጀመሮ ፕሮጀክት ምጥፋእ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ፡፡ ኣርብዓ ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ብዝወደቦምን ዘዕጠቖምን ሓይልታት ወሪሩ ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን…
-
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ 6 ወረቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ተገሊፁ ።

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ጋባ ዝተበገሰ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ በረኻታት ዋልድባ ኣትዩ ኣብቲ ቦታ ኣብ ስራሕቲ ምእራይ ወርቂ ዝተዋፈሩ 6 ወርቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ፍልፍላትና ሓቢሮም ፡፡ መንግስቲ ብልፅግና ዘዋፈሮም ኣኽበርቲ ሰላም ዝብል ጉልባብ ዝተኸደኑ ዕጡቃት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምኳን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወረዳታት ፀልምቲ ከበድቲ ግፍዕታት ምፍፃም ቀፂሎሙሉ ዝርከቡ ኮይኖም ኣብቲ ናይ…
-
“ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ” ጀነራል ታደሰ ወረደ

“ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ” ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምኽባር ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ኣኽሱማውያን ወነንቲ ዓበይቲ ስልጣነ ዓለም ምንባሮም ብምዝኽኻር ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣቲናዮ ካብ ዘሎ ፀገም ንምውፃእን ታሪኽ ወለድና ንምድጋምን ብፍላይ እዚ ወለዶ ክሰርሐሉ…
-
“ዘይሓወየን ኣብ ስቓይን ዘሎ ህዝብና ዳግም ናብ ዘይደልዮ ኣዕናዋይ ኩናት ከይኣቱን ደበና ናይ ኩናት ክነትርፍን ዝለዓለ ፃዕሪ ክንገብርን ሓላፍነት ወሲድና ክንሰርሕን ኢና።” ፕረዚደንት ለ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ

“ዘይሓወየን ኣብ ስቓይን ዘሎ ህዝብና ዳግም ናብ ዘይደልዮ ኣዕናዋይ ኩናት ከይኣቱን ደበና ናይ ኩናት ክነትርፍን ዝለዓለ ፃዕሪ ክንገብርን ሓላፍነት ወሲድና ክንሰርሕን ኢና።” ፕረዚደንት ለ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ እዙይ ዝተገለፀ፣ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ናይ ሕሉፍ ርብዒ ዓመት ኣፈፃፅማ፣ናይ ቀፃሊ ኣንፈታትን መደባትን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምግምጋምን ንምዝታይን ኣብ ዝተዳለወ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ ክልል መድረኽ ተረኺቦም…
-
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ብዓል ሕዳር ፅዮን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክርከቡ ትፅቢት ከምዝግበር ቤት ፅሕፈት ባህልን ትሪዝምን ከተማ ኣክሱም ገሊፁ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ብዓል ሕዳር ፅዮን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክርከቡ ትፅቢት ከምዝግበር ቤት ፅሕፈት ባህልን ትሪዝምን ከተማ ኣክሱም ገሊፁ። በቢዓመቱ ብዝለዓለ ድምቀት ኣብ ከተማ ኣኹሱም ዝኽበር ብዓል ማርያም ፅዮን ካብ መላእ ዓለም ብዝመፁ ቱሪስት ዝርከብሉ እንትኾን፡ ኣብዚ ዓመት እውን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣጋይሽ ነዚ ብዓል ንምኽባር ናብ ከተማ ኣክሱም ክጓዓዙ ትፅቢት ከምዝግበር ሓላፊ…
-
ኣብ ሱዳን መዓስከር ተነድባ ኣብ ከቢድ ስቕይ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ሰላማዊ ሰለፊ ኣካይዶም።

ኣብ ሱዳን መዓስከር ተነድባ ኣብ ከቢድ ስቕይ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ሰላማዊ ሰለፊ ኣካይዶም። እኹል ሕክምናን መድሓኒትን ብዘይምህላው መዓልታዊ ኣብ ምሟትን ከቢድ ስቓይን ዘለው እቶም ስደተኛታት ተጋሩ ትማሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወፅሉ ምኽንያት ውድብ ምግቢ ዓለም/WFP/ቅድሚ ሕጂ ብዓይነት እናቕረቦ ዝፀንሐ ሓገዝ ኣዝዩ ክንክይ ብምውሳኑ ስዒቡ እዩ ። ቅድም ክብል እቲ ብጥረ ገንዘብ 14900 SDG ናይ ሱዳን ዑምላ…
-
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነዳዲ ዘቐመጦ 30% ወሰኽ ግብሪ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ተገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነዳዲ ዘቐመጦ 30% ወሰኽ ግብሪ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ተገሊፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝመፅአ ኣብ ነዳዲ ዝግበር ድጎማ ቀስ ብቀስ ብምልዓል ናብ ሓዱሽ ናይ ግብሪ መዋቕር ዘእተዎ እንትኾን እዚ ሓዱሽ ወሰኽ ግብሪ ድማ ካብ መፃኢ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ተሓቢሩ። እዚ ሓዱሽ ስጉምቲ ኣብ ምህርቲ ነዳዲ 15% ተወሳኺ…
-
“ንግዲ ኲናት ክሳብ መዓዝ?” መልአኽቲ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሉፋት ዘመናት በዘጋጠምዎ ተደጋጋምቲ ወራራት ኲናት ስዒቡ ኣብ ህይወቱን ንብረቱን ንምእማኖም ዘፀግሙ ሰፍ ዘይብሉ ኪሳራ,ታት እናኸፈለ ዝመፅአን ይኸፍል ዘሎን ህዝቢ እዩ ። ብተደጋጋሚ ንዘጋጠምዎ ወራራት ኲናት ስዒቡ ድማ ብማሕበረ ኢኮኖሚ ፣ ስነ ልቦናውን ካልኦትን ውድቀታት እናተፈተነ ከምዝመፅአ ድርሳናት ታሪኽ የዘንትዉ። ነዞም በቢዘመኑ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት መሰረት ብምግባር ድማ መጋደድቲ ውሽጣዊ ሕምስምሳት ከጋጥምዎ ምርኣይ…
-
እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ….

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጅንካ (Hemirrhagic Fever) ሄሞራጂክ ፌቨር እንታይነቱ ንምፍላጥ ፃዕሪ ዝግበረሉ ዘሎ ሕማም ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ 03 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ዝለኣኾ ህፁፅ ሓበሬታ እቲ ሕማም ከምዝተኸሰተ እቲ ዳህሳስ ኣመላኺቱ እዩ። ክሳዕ ሕዚ ሸሞንተ ሰባት በቲ ሕማም ተጠርጢሮም፣ብምትሕብባር ሚኒስትር ጥዕና፣ ኢንስቲትዩት ጥዕናን ቢሮ ጥዕና እቲ ክልልንን መንቀሊ እቲ ሕማም ንምፍላጥን ተወሳኺ ምልባዕ…

