ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሉፋት ዘመናት በዘጋጠምዎ ተደጋጋምቲ ወራራት ኲናት ስዒቡ ኣብ ህይወቱን ንብረቱን ንምእማኖም ዘፀግሙ ሰፍ ዘይብሉ ኪሳራ,ታት እናኸፈለ ዝመፅአን ይኸፍል ዘሎን ህዝቢ እዩ ። ብተደጋጋሚ ንዘጋጠምዎ ወራራት ኲናት ስዒቡ ድማ ብማሕበረ ኢኮኖሚ ፣ ስነ ልቦናውን ካልኦትን ውድቀታት እናተፈተነ ከምዝመፅአ ድርሳናት ታሪኽ የዘንትዉ።
ነዞም በቢዘመኑ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት መሰረት ብምግባር ድማ መጋደድቲ ውሽጣዊ ሕምስምሳት ከጋጥምዎ ምርኣይ ዳርጋ ንቡርን ዝተለመደን እናኾነ ካብ ዝመፅእ ውዒሉ ሓዲሩ ኣሎ። ነዚ ጭቡጥ መርኣያን ኣብነትን ዝኾን ተግባር ቀረባ እኳ እንተርኢና ንውልቀ ረብሐኦም እምበር ስቓይ ህዝቦም ዘይእንታዮም ነጋዶ ኲናት መሰረት ኣልቦ ወረ ኲናት ብምንዛሕን ብተግባር ናብ ኢድ ሕድሕድ ዘይበፅሐ መስተኻኸሊ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከም ምኽንያት ብምጥቃም ፣ ከምኡ እውን መሰረታዊ ሸቐጣት ዝኣትዉሎም በርታት ከምዝተዓፀዉ ዘይስሩዕ ወረ ብምንዛሕ ፣ መመሓየሺ ክፍሊት ግብር ስራሕ ሰራሕተኛታትን ኻልኦት ልበ-ወለድ ሰበባትን ምኽንያት ብምግባር ነቲ ብኩናትን ምኽባር ናብራን ኣዝዩ ዝተሃሰየ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መሰረታዊ ሸቐጣት ዘይስሩዕን ዝተጋነነን ወሰኽ ብምውሳኽ ኣብ ከቢድን ዝተሓላለኸን ቕልውላው ክወድቕ ይገብርዎ ኣለዉ።
ህልው ኩነታት ትግራይ ድማ ነዙይ ምስሊ ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ብግልፂ ይረኣይ ኣሎ። ህዝቢ ዝሰምዖ ስኢኑ ተስፋ ብምቑራፅ ዝሕዞን ዝጭብጦን ስኢኑ ንዝደልዮም መሰረታዊ ሸቐጣት ንክዕድግ ነጋዶ ብዝእዝዝዎ እምበር ንሱ ዓቕሙ ብዝምጥኖን ብዝደልዮን ብመሰረት ዝተረጋግዐ ስርዓት ዕደጋ ክገዝአሉ ዝኽእል ዕድል ዳርጋ ተዓፅዩ ኣሎ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል።
እዙይ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ዘመን ውልቀ ነጋዶ ንኩነታት ዕደጋ ትግራይ ከም ድልየቶም ይዝውርዎ ከምዘለዉ ዘርኢ እንትኾን ናይዚ ሳዕቤን ድማ በዚ እንተቐፂሉ መፃኢ ህልውና ትግራይን ህዝባን ከይዱ ከይዱ ኣብ ኢድ ውልቅኦም ምእታዉ ስለ ዘይተርፍ ንቕድሚት ክንደየናይ ዝገደደ ከቢድ ከምዝኾነ ንምርዳእ ኣይከብድን።
እሞ ‘ማ ክሳብ መዓዝ ከምዚ ኢሉ ይቐፅል? መፍትሒኡኸ? መንከ ይፍትሖ? ንዝብሉ ብህዝቢ ብተደጋጋሚ ንዝቐርቡ ወስንቲ ሕቶታት ኣብ ግምት ብምእታው ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንተነኣስ ኣብዞም ዝስዕቡ ዋኒናት ብምድሃብ ነቲ ዝተሓላለኸ ፀገም ናብራ ህዝቢ ብኽፋል እውን እንተኾነ ክፈትሖ ክፅዕር እዩ።
- ንፁር ዝኾነ ስርዓት ንግድን ቑፅፅርን ክስፍሕፋሕ ክግብር እዩ፣
- ኣብ ልዕሊ ዘይስሩዕ ወረ ዝነዝሑ ነጋዶ ክሳብ ንብረቶም ምውራስ ዝበፅሕ ዘየማትእ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ፣
- ምስ ዘይሕጋዊ ነጋዶ ዝተለማመዱ መንግስታዊ ኣካላትን ትካላትን ከይህልው በምርኣይ እንተሃሊዮም ድማ ብመሰረት ሕግን መምርሕን ንግዲ ዘየማትእ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ፣
- ኣብ ወሰኽ መሰረታዊ ሸቐጣት ምስ ፌደራል ዝተሓሓዙ መፍትሒ ዘድልዮም ነገራት ግምት ንፁር ዝኾነ መስርሕ ብምንፃር ክረዳዳእ እዩ፤ ንኣብነት ከም ነዳዲ፣ ምግቢ ተንከፍን ኻልኦት ሸቐጣትን፣
- በቢ እዋኑ ኣብ ዝፍጠሩን ህልው ኩነታትን ኣመልኪቱ ንህዝቢ ዘይዘንግዐ መብርሂ ክውሃብ ክግበር እዩ፣
- ኩነታት ዕደጋ ኣመልኪቱ ዳህሳስን ርኢቶ ህዝቢ ምቕባልን ንሕበረሰብ ምንቃሕን ወዘተ፣
ዝኣመሳሰሉን ኻልኦትን ተግባራት ተግባራዊ ብምግባር ወሰኽ ናህሪ መሰረታዊ ሸቐጣት ብምሉእነት ተዘይተቐረፈ እኳ እቲ ፀገም ንምንካይ ክስራሕ እዩ። ዘየለ ኲናትን ወረ ኲናትን ብምንዛሕ ዘይናቶም ሃፍቲ ዘኻዕብቱ ነጋዶ ኲናት ድማ ጊዜ ተበሊፅኻ እትገብሮም መነወርቲ ተግባራት ኹሎም ፅባሕ ከምዘጣዕሱን ከምዘሕትቱን ብምርዳእ ኣደብ ብምግባር ንዓድን ህዝብን ብዝጠቅም ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልካ ምስራሕ ከምዝግባእ ልቢ ክብሉ የድሊ።



Leave a Reply