Tag: ፈትለወርቅ ገ/ሄር
-
ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ኣይንኸርምን” ብዝብል ጭርሖ ዝቕፅል ዘሎ ሰልፊ ተመዛበልቲ ወገናት ሎሚ እውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ቀፂሉ ውዒሉ።

ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝቐፀለ ሰልፊ ተመዛበልቲ ወገናት ሎምዓንቲ እውን ቀፂሉ እንትውዕል ናብ ቤትፅሕፈት ውድብ ህወሓት ብምኻድ ምስ ሓላፊት ቤትፅሕፈት ህወሓት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር (ሞንጀሪኖ)ን ሓላፊት ዘፈር ውዳበታት ህዝቢን ምክትል ሓላፊት ቤትፅሕፈት ውድብ ህወሓት ሊያ ካሳን ዘተ ኣካይዶም። እቶም ተመዛበልቲ ንሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ክነሕልፍ ኣይግበኣን፣ ፅንተት ብዘይ ኩናት ይኣክል፣ ድምፂ ተመዛበልቲ ይሰማዕ፣ ናብ ስራሕኹም ክትኣትዉ…

