ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝቐፀለ ሰልፊ ተመዛበልቲ ወገናት ሎምዓንቲ እውን ቀፂሉ እንትውዕል ናብ ቤትፅሕፈት ውድብ ህወሓት ብምኻድ ምስ ሓላፊት ቤትፅሕፈት ህወሓት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር (ሞንጀሪኖ)ን ሓላፊት ዘፈር ውዳበታት ህዝቢን ምክትል ሓላፊት ቤትፅሕፈት ውድብ ህወሓት ሊያ ካሳን ዘተ ኣካይዶም።
እቶም ተመዛበልቲ ንሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ክነሕልፍ ኣይግበኣን፣ ፅንተት ብዘይ ኩናት ይኣክል፣ ድምፂ ተመዛበልቲ ይሰማዕ፣ ናብ ስራሕኹም ክትኣትዉ ናብ መረበትና ምለሱና፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣጀንዳኻ ምምላስ ተመዛበልቲ ይኹን፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ይረጋገፅ ስቓይን ሞትን ተመዛበልቲ የብቅዕ ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቶኦም ኣብ ምቕራብ ዝርከቡ እንትኾን ሎሚ እውን ቀፂሉ ውዒሉ ኣሎ።
ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር (ሞንጀሪኖ) ምስ ተመዛበልቲ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት “ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና እውን ካብ ወረርቲ ሓራ ክወፅእ ከም ውድብ ቀዳምነት ሂብና ንቃለሰሉ ዘለና እዩ” ክብላ ዝገለፃ እንትኾን ብወገን ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ክስራሕ ዝግበኦ ተሰሪሑ እዩ ጎና ጎኒ ካብ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለው ወረርቲ ሓይልታት ክወፁ እቲ ስምምዕ ዘቐምጥ እኳ እንተኾነ ኣይተፈፀመን ኢለን።
ወይዘሮ ፈትለወርቅ ወሲኸን ከምዝሓበርኦ ተመዛበልቲ ውሕስንኦም ተሓልዩ ናብ መረበቶም ክምለሱ መንግስቲ ፌደራል ከመቻችው ኣይክኣለን እናበልና እንቃለሰሉ ዝነበርና ጌታቸው ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ኣነ ድሕሪ ሕዚ ንፌደራል ኣይወቅስን፣ ብናትና ምኽንያት ኢና ዘይኣተወና ኢሉ እቲ ክሲ ናብ ትግራይ ገልቢጥዎ እዩ፣ ምሳና ስለዘይነበረ፣ ኣብዚ ኮይኑ ዝተመዛበለ ህዝቢ ንክምለስ ኣይኮነን ዝሰርሕ ነይሩ። ኣብ ታሪኽ ትግራይ ፀሊም በሰላ ገዲፍና ክንከይድ ዝገብር ውዕላት ስምምዕነት እናተገበረ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መከራ ነይርና፣ ከም ውድብ ከምዚ ዝመሰለ ታሪኻዊ ስሕተት ክፍፀም ኣይንፍቅድን ፣ ካብ መሬት ትግራይ ትቕነስ ትቅንጠብ መሬት ክትህሉ የብላን ክብላ ተዛሪበን።
ብተወሳኺ ምስ ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ብዛዕባ ዝተገበረ ዘተ ብዝምልከት ኣብዘልዐልኦ ድማ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ናብ ሽረ መፂኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣጀንዳና ብዛዕባ ተመዛበልቲ እዩ ነይሩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ቶኹሲ ደው ክብል፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍረም ፃዕሪ ገይርኩም እዮም ከም መንግስቲ ኣኾብሮትና ገሊፅና ግን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፀም ድፍኢት፣ ዝግባእ ፀቕጢ ኣይትፈጥሩን ዘለኹም ኢልና ግልፂ ቅዋምና ኣቕሪብና ኢና። ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ቅዋም መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝኾነ እውን እቶም ኣምባሳደር ተዛሪቦም እዮም ክብላ ሓቢረን።
ካልእ ብዛዕባ ኣብ ምምላስ ልኣላውነት ትግራይ ኣመልኪትን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ከምዝገለፅኦ ሉእላዊ ግዝኣት ትግራይ ብሕገ መንግስቲ መሰረት ዝንካእ ኣይኮነን። ሪፈረንደም ስርዓት ኣለዎ እዩ፣ ወሪርካ ሒዝካ፣ ዝደለኻዮ ሰብ ምስ ኣስፈርካ ኣይኮነን ሪፈረንደም ዝበሃል ናይ ባዕሉ ስርዓት ሕግን ኣለዎ። እዚ ኮነ ኢልካ ትግራይ ንምሽርራፍ፣ ንምብጥጣስ፣ ህዝቢ ትግራይን ትግራይ ንምድኻም ዝግበር ከም ውድብ ኣይንፍፅምን፣ ኣይንቅበሎን። ዓለም ብዝፈልጦ መንገዲ ኢና ንኺድ ንብል ዘለና ክብላ ሓቢረን።
ብተወሳኺ ናብ ጭቡጥ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ንምእታው ውድብ ህወሓት ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ሰራዊት ትግራይ ካብ ትልሚ ሰጊርና ኢና ፣ እዙይ ምስ ተደራዳሪና ብሰላማዊ መንገዲ በቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ኢና ንብል ዘለና፣ ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ኣይትነብሩን እዩ ናትና ቅዋም እውን ክብላ ምስ ተመዛበልቲ ወገናት ኣብዝነበረን ፃንሒት ገሊፀን።



Leave a Reply