ናይ ቪዛ ግዜኦም ዘሕለፉ ልዕሊ 36,000 ዝኾኑ ወፃእተኛታታት ከምዝቐፅዐ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ናይ ቪዛ ግዜኦም ዘሕለፉ ልዕሊ 36,000 ዝኾኑ ወፃእተኛታታት ከምዝቐፅዐ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንክፀንሑ ዝተውሃቦም ናይ ቪዛ ግዜኦም ዘሕለፉ ልዕሊ 36,000 ናይ ወፃኢ ዜጋታታት ተቀፂዖም ናብ ሕጋዊ መስመር ንክምለሱ ከምዝገበረ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ገለፁ። ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ዜጋታት ሕጊ ኣኽቢሮም ንክንቀሳቐሱ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ዝኾና ወ/ሮ ሰላማዊት ዳዊት ኣረዲአን እየን።

እተን ዋና ዳይሬክተር ብቪዛ ኣገልግሎት ደረጃ ልዕሊ 188 ሃገራት On arrival visa ተጠቀምቲ ከምዝኾና ዝገለፃ እንትኾን እዚ ድማ ናይ 24 ሰዓት ኣገልግሎት ኤሌክትሮኒክ ቪዛ ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣመላኺተን እየን። ምስ ኣገልግሎት ፓስፖርት ተኣሳሲሩ እውን ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ከምዝተገበሩን ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝተንቀሳቐሱ 26 ሰባት ተሓተትቲ ከምዝገበሩን እውን ገሊፀን እየን።

ኣብዚ ዓመት ድማ ልዕሊ 4 ሚልዮን ፓስፖርት ንምዕዳል እኹል ምድላው ከምዝተገበረ እውን እተን ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ኣረዲአን እየን።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading