Tag: #ትግራይ ወቕታዊ
-
“ኣብዚ እዋን ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ተጣሒሱ ህዝብና’ውን ተበቲኑ እዩ ዘሎ” ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

መበል 51 ዓመት በዓል 11 ለካቲት እንትነኽብር ብዙሓት ዘይስገሩ ዝመስሉ ፈተናታት እንትገጥሙኻ ብመስመር፣ ፅንዓትን ምትሕግጋዝን ዝስገር ምዃኑ ዘመስከረት ታሪኻዊት ዕለት ከምዝኾነት ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፁ። ዶ/ር ደብረፅዮን ነዚ ዝገለፀ መበል 51 ዓመት ልደት ህወሓትን ምጅምር ዝተወደበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን በዓል 11 ለካቲት ነበርቲ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ እንተኽብሩ ብዙም ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ’ዩ።…
-
ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ናይ ሂወት ሓደጋ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ፀገሞም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ክንረባረብ ይግባእ” ጀነራል ታደሰ ወረደ

ዘላቒ መፍትሒ ንተመዛበልቲ ትግራይ ኣብ ዝብል ዛዕባ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ሎሚ ጥሪ 4/2018 ዓ/ም ዘትዮም። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ከቢድ ናይ ጥምየት ሓደጋ ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ብምግላፅ ዘለዎም ፀገም ብዘላቕነት ኣብ ምፍታሕ መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም…
-
“ሞትን ስቓይን ህዝቢ ብመደናገሪ ኣጀንዳታት ንምኽዋል ምፍታን ናይ ገበን ገበን እዩ!” ሰሙናዊ መልአኽቲ ውድብ ህወሓት

ብሰንኪ ወረርቲ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ውሽጢ ዓድን ስደትን ዝነብር ህዝብና ብሕማምን ጥሜትን ይሃልቕ ኣሎ። እዚ ብጥሜትን ሕማምን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝብና ኣብ ከመይ ዝበለ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከብ ማሕበረሰብ ዓለም ክርዳእን እጃሙ ክዋፃእን ዘኽእል ርብርብ ምድሓን ሂወት ይካየድ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ መቐፀልታ እቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ፤…
-
“ብዛዕባ ፅባሕ ምምላስ ተመዛበልቲ እናሓሰብና ቅልጡፍ ስራሕቲ ሂወት ምድሓን ክንሰርሕ ኣለና” ፕረዝደንት ለ/ጀነራል ታደሰ ወረደ

ብፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ዘካየዶ ዑደት ማእኸል ገይሩ ሎሚ ታሕሳስ 19/2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ ዘተ ተሳሊጡ። ኣብ ኩለን ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ወገናትምውሓድ ሓገዝ፣ ዝርካቡ ሓገዝ እውን ፅሬት ዘይብሉ ምዃኑ፣ ፀገም ሕክምናን መጎዓዝያን፣ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ህፃናትን ቀንዲ ግዳያት እቲ ፀገም ምኳኖም፣ ስእነት ክዳንን…
-
ቀንዲ መፍትሒ ፀገም ተመዛበልቲ መበገሲ እቲ ፀገም ምፍታሕ እዩ” ፕረዚደንት ለ/ጀነራል ታደስ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ለ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዙይ ዝበሉ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣድሂቦም ንሚዲያታት ሎሚ ታሕሳስ 14 /2018 ዓ/ም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እዩ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብ ሕፃፅ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዘለዋ 146 ካምብታት ተመዛበልቲ ዘሎ ተመዛባሊ ኣብ ከቢድ ፀገም ይርከብ። ካብ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝወሃቦ ሓገዝ 16.1 ኪሎ ብወርሒ ምዃኑ ዝሓበሩ…
-
“ህዝቢ ካብ መረበቱ ምምዝባል ከይኣኽሎ ንማእለያ ዘይብሉ ጥሜትን ዓፀቦን ተሳጢሑ ይርከብ።” ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ

ህዝቢ ካብ መረበቱ ምምዝባል ከይኣኽሎ ንማእለያ ዘይብሉ ጥሜትን ዓፀቦን ተሳጢሑ ይርከብ። ናይዚ መርኣያ እውን ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ሕፃፅ ወገናትና ንዝኸፍአ ጥሜትን ሞትን ይቃልዑ ኣለዉ። ህዝብና ንምድሓን ብሕታዊ መማረፂ ናብ መረበቱ ምምላስ ከም ዝኾነ እናሓበርና ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝነብሩ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ዝተጀመረ ወገን ናይ ምድሓን ተበግሶ ንንእድ። ኣብ ሕፃፅ…
-
“ትዕግስቲ ልክዕ ኣለዎ!”ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

መትከላዊ እምነት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሰላም እዩ። ካብዚ ፅኑዕ መትከሎም ተበጊሶም እውን ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ክትግበር ብተደጋጋሚ ክምሕፀኑ ፀኒሖም እዮም። ባህጊ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን እቲ ዘላቒ ስምምዕ ምቁራፅ ቶኽሲ ናብ ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ክሰጋገር እምበር ንድሕሪት ክምለስ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግን ሉእላውነትና ተወሪሩ ህዝብና ብዕጡቓት እናተጨፍጨፈ፣ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ እናሃለቐ፣ በዚን በትን ህዝቢ…
-
ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይጥቀሙ ኣጊዳ።

ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይጥቀሙ ኣጊዳ። ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ህፃናት ሰገናትን ከም ቲክቶክ፣ ኤክስ/ትዊተር፣ ፌስቡክ፣ ኢንስታግራም፣ ዩቲዩብ፣ ስናፕቻት ዝበሉ መተግበርታት ከይጥቀሙ ዝኽልክል ሕጊ ክትትግብር ምዃና ኣፍሊጣ። ዛጊድ ምስ ሜታ፣ ዩቲዩብ ቲክቶክን ንተግባራውነት እቲ ሕጊ ምርድዳእ ከም ዝተፈጠረን ምስ ሰብ ዋና እዞም ትካላት ከም ዝተስማዕምዑን ምስ ኤክስ/ትዊተር ድማ ኣብ ምዝርራብ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።…
-
“ማሕበረሰብ ዓለም ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ምፍራስ ንምድሓን ክረባረበሉ ዝግባእ እዋን ሕዚ እዩ!” ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ጀኖሳይድ ኣዊጁ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፅናት ይርከብ፡፡ ዋላ እኳ ነቲ ዝጀመሮ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ጠጠው ንምባል ዘላቒ ስምምዕ ምቁራፅ ቶኽሲ እንተተፈረመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሕዚ እውን ዝጀመሮ ፕሮጀክት ምጥፋእ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ፡፡ ኣርብዓ ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ብዝወደቦምን ዘዕጠቖምን ሓይልታት ወሪሩ ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን…
-
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ 6 ወረቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ተገሊፁ ።

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ጋባ ዝተበገሰ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ በረኻታት ዋልድባ ኣትዩ ኣብቲ ቦታ ኣብ ስራሕቲ ምእራይ ወርቂ ዝተዋፈሩ 6 ወርቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ፍልፍላትና ሓቢሮም ፡፡ መንግስቲ ብልፅግና ዘዋፈሮም ኣኽበርቲ ሰላም ዝብል ጉልባብ ዝተኸደኑ ዕጡቃት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምኳን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወረዳታት ፀልምቲ ከበድቲ ግፍዕታት ምፍፃም ቀፂሎሙሉ ዝርከቡ ኮይኖም ኣብቲ ናይ…

