“ኣብዚ እዋን ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ተጣሒሱ ህዝብና’ውን ተበቲኑ እዩ ዘሎ” ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

መበል 51 ዓመት በዓል 11 ለካቲት እንትነኽብር ብዙሓት ዘይስገሩ ዝመስሉ ፈተናታት እንትገጥሙኻ ብመስመር፣ ፅንዓትን ምትሕግጋዝን ዝስገር ምዃኑ ዘመስከረት ታሪኻዊት ዕለት ከምዝኾነት ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፁ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ነዚ ዝገለፀ መበል 51 ዓመት ልደት ህወሓትን ምጅምር ዝተወደበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን በዓል 11 ለካቲት ነበርቲ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ እንተኽብሩ ብዙም ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ’ዩ።

‘ለካቲት 11 ህያው’ያ! ዝበለ ዶክተር ደበረፅዮን፤ እዚ በዓል ብዙሕ ዝተኸፈለሉ ህዝባዊ ታሪኽ ከምዝኾነን ካብ ታሪኽ ብጥንካረታትናን ብዘጉደልናዮምን ክንመሃር ይግባእ ክብል ኣገንዚቡ።

ኣስዒቡ’ውን በዓል 11 ለካቲት እንዝክረሉ ኣግባብ ሕዚ ዘሎ ህልው ኩነታት ተረዲእናን ህልው ኩነታት ዝጠልቦ’ውን መሊስና ብሉፅ ዓቕምታትና ደሪብና ቀፃሊ ስራሕን ቃልስን ከምዝጠልብ ድማ ኣረዲኡ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብቲ ሕሉፍ ጉዕዞ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንፁር ህዝባዊ ዕላማ፣ ፅኑዕ ህዝቢ፣ ጠንካራ ኣመራርሓ፣ ስጡም ዲስፕሊንን ፅንዓትን ሒዙ ዝተዓወተ ስለዝኾነ ክንመሃረሉ ይግባእ ክብል እውን ሓቢሩ። ከምኡ ’ውን ብዙሓት ዘይስገሩ ዝመስሉ ፈተናታት እንተገጠሙኻ ብመስመር፣ ብፅንዓትን ምትሕግጋዝን ዝስገር ምዃኑ ዘመስከረ ከምዝኾነ’ውን ኣዘኻኪሩ’ዩ።

ብምዃኑ’ውን ኣብዚ እዋን ገጢሙና ዘሎ ፈተና ህዝብና ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ተበቲኑ ናብ መረበቱ ኣብ ዘይተመለሰሉ እዋን ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ውሱን ተጀሚሩ ተዓንፂሉ ዝተረፈሉን ካብ ምዃን ሓሊፉ ድማ ፀላእትና ናብ ውግእ ዝሰገርሉ ከቢድ ኩነታት ይረአ ከምዘሎ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

ይኹን’ምበር ኣብ ዝሓለፈ 51 ዓመት ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ መስገደላት እንትበታትኽ ከም ሓደ ረቢቡ ብዙሕ ዓወታት ኣመዝጊቡ’ዩ’ ዝበለ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ዲያስፖራ ትግራይ’ውን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልስን ኣብ ዝሓለፈ መኸተን ብፅንዓት ታቓሊሶም ብዙሓት ዓወታት ከምዘመዝገቡ ጠቒሱ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ህዝቢ ትግራይ ተዋዲዱ ዝተነፀሩ ዕላማታት ኣብ ምፍፃም ብዙሕ መስዋእቲ ኸፊሉ፣ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣዕዊቱን መኸተ’ውን ኣብቲ ክበፅሖ ዝግባእ ብርኪ ከምዘብፀሐን ብምጥቃስ፤ ብፍላይ ኣብ እዋን መኸተ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣምባሳደራት ትግራይ ኮይኖም ዘይሰርሕዎ ድሙቕ ታሪኽ ከምዘየለ ገሊፁ።

ብመሰረት’ዚ ድማ ዳያስፖራ ትግራይ ምስ ተፈጥሮን ሰብ ስራሕ ፀገማት ብደሆታት ተፃዊሮን ንኹሎም ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ፀቕጥታት ፀይሮም ብዛዕባ ትግራይ ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ቀዳማይ ኣጀንዳ ኮይኑ ክዝተየሉ ብምግባር ህያውን ድሙቕን ታሪኽ ከምዝፈፀሙ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣዘኻኺሩ።

‘ኣብዚ እዋን ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ተጣሒሱ ህዝብና’ውን ተበቲኑ እዩ ዘሎ” ዝበለ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ንሱ ከይኣክል ድማ ፀላኢና ኣብ ሓዱሽ ዕፅዋን ክባን ኣእትዩ ብዙሕ ፀቕጥታት ይፈጥር ከምዘሎ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ሓቂ ከምዝኾነ ኣመላኺቱ’ዩ።


‘ሕዚ’ውን ‘ከድቅቖምን ከጥፈኦምን’የ!’ ዝብል መንግሰቲ ኢና ረኺብና ዘለና፤” ዝበለ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ እዚ ድማ ናብ ካልእ ኲናትን ጥፍኣትን የእትወና ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ።

ስለዝኾነ ድማ ሎሚ’ውን ከም ተጋሩ ብፅንዓት ንህልውናና፣ ድሕንነትናን ብሄራዊ ረብሓናን ክንዓስል፣ ክንመኻኸር ብትዕግስትን ጥበብን ሰጊርና ናብ ዓወት ክንብርኽ ካብ ሕሉፍ ተማሂርና ተደጋጊፍና ክንቃለስ ይግባእ ክብል ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ኣተሓሳሲቡ።

አስዒቡ’ውን ኣብ ሓድነትና ዝረኣዩ ዘለው ብዙሓት ፀገማት ከዳዓትን ፀላእትን ተወሲኾምዎ ብድሕረትን ከባቢያውነትን ኣብ ውሽጥን ደገን ኮይኖም ትግራይ ንምብታን ዘይተሰርሐ እከይ ግብሪ’ኳ እንተዘይሃለወ እዚ’ውን ዝስገር ከምዝኾነ ዘለዎ ፅኑዕ እምነት ገሊፁ።

ስለዝኾነ ምእንተ ትግራይ ተባሂሉ ካልኦት ፀገማትና ካልኣይ ገይርና ንህልውናናን ድሕንነትናን ተሪርና ክንቃለስ ኩሉ ዓቕምታትና ውራይና ህዝቢ ትግራይ ምድሓ፣ ሉኣላውነት ትግራይ ንምርግጋፅን ክኾን ከምዝግበኦ ደ/ር ደብረፅዮን ኣገንዚቡ።

ከምታ ኣብ መኸተ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ዝተረኣየት ቅያ ሕዚ’ውን ደጊምና ድሙቕ ታሪኽ ክንሰርሕን ናብ ዝበለፀ ኩለመዳይ ዓወት ክነረጋግፅ ኩሉ ክቃለስ ፃዊዕቱ ኣቕሪቡ ከምዘቕረበ ቤትፅሕፈት ህወሓት ኣፍሊጡ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading