ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ለ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዙይ ዝበሉ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣድሂቦም ንሚዲያታት ሎሚ ታሕሳስ 14 /2018 ዓ/ም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እዩ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብ ሕፃፅ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዘለዋ 146 ካምብታት ተመዛበልቲ ዘሎ ተመዛባሊ ኣብ ከቢድ ፀገም ይርከብ።
ካብ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝወሃቦ ሓገዝ 16.1 ኪሎ ብወርሒ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ፕረዚደንት ንኹሎም ወፃኢታቶም እውን ካብዘን ዝወሃበኦም ወርሓዊ ጥረ እኽሊ እዮም ዝሽፍኑ ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ ንመጥሓኒ፣ ክዳን፣ ጨው ወዘተ ወፃኢታት ካብተን 16.1 ኪሎ ብምዃኑ ኣብ ዓብይ ማሕበራዊ ፀገም ክወድቁ ገይርዎም ኣሎ ኢሎም።
ኣብ ሕፃፅ ዘጋጠመ ሓደጋ ጥሜት ብምቅላሕ ማሕበረሰብ ዓለም ንክፈልጦን ኣጆንዳ ኮይኑ ንክወፅእን ዝገበሩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ናእደኦም ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፤ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ብቐጥታ ዝከታተል ብፕረዚደንት ዝምራሕ ጉጅለ ኣጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓቢሮም።
ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ይኹን ድሕሪ ኲናት 1 ነጥቢ 1 ሚልዮን ተመዛባሊ ህዝቢ ከም ዘሎ ኣብሪሆም። 891 ሺሕ ተመዛባሊ ኣብ ትግራይ ውሽጢ ጥራሕ ዝነብር እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከይሓወሰ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ዘለዋ 146 መዕቖቢ ተመዛበልቲ ካምፕታት ይርከብ ኢሎም።
ኣብ ሕፃፅ ካምፒ ዝርከብ ተመዛባሊ ብበዝሒ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝመፀን ዝተፈላለዩ ፀገማት ዝተሸከመ መብዛሕቲኡ ኣብቲ እዋን ደሓን ዝነበረ ሐዚ ዝተዳኸመ ከምኡ እውን ተዳኺሙ ዝነበረ ብሂወት ዘየለ ምዃኑ ገሊፆም።
ናይቲ ኣብ ሕፃፅ ሐዚ ጎሊሁ ወፅዩ ዘሎ ሽግር ቅድም ክብል ዝፍለጥ ምንባሩን መንግስቲ እውን ብዝተኽኣሎ ነዚ ፀገም ክፈትሕ ክምኩር ዝፀንሐን እንትኾን እቲ ክግበር ዝፀሐ ፃዕሪ ግና እኹል ዘይምዃኑ ኣብሪሆም ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ። ኣብ ተመዛበልቲ ዘሎ ፃዕሪ ህፁፅ ሂወት ናይ ምድሓን ተግባር እምበር ዘላቒ መፍትሒ ከምዘይኮነ ዝሓበሩ እቶም ፕረዚደንት፤ ዘላቒ መፍትሒ ዝኸውን ግና እቶም ተመዛበልቲ ናብ መተበቶም ተመሊሶም እግሪ ናይ ምትካል ስራሕቲ እንትግበረሎም እዩ ኢሎም።
ተደጋጋሚ ዘጋጥም ፀገም ካብ ምንጩ ንምድራቕ ምስራሕ ከምዘድልን መበገሲ እቲ ፀገም ፈሊኻ ምፍላጥ ወሳኒ ምዃኑን ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብ መግለፂኦም ካብ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብዝወሃብ ሓገዝ ከይኮነስ በቢከባቢኡ ዘሎ ህዝቢ ብዝገብሮ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ሂወት ተመዛበልቲ ክሕብሐብ ምፅንሑ ናይ ህዝቢ ትግራይ ባህሊ ምትሕግጋዝ ዝለዓለ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ኢሎም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ በቲ ሐዚ ዘለዎ ዓቕሚ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እውን ምኽፋል ተፀጊሙ ብምህላው ተመዛበልቲ ይኹን ኣብ ፀገም ዘሎ ማሕበረሰብ ኣብ ምሕጋዝ ዝተዋደደ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ክጅምር ምዃኑ እቶም ፕረዚደንት ገሊፆም።
ናይ 2018 ዓ/ም ቀንዲ ትልሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ምምላስን ፀገሞም ብዘላቕነት ምፍታሕን ከምዝኾነ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ነዙይ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ድማ መንግስቲ ፌደራል ይኹን መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ኣደራደርቲ ትካላት ኩሎም ብዕቱብ ክሰርሑ ፀዊዖም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ኣፍሊጡ።



Leave a Reply