ቀፃላይ ዕድል ትግራይን ትግራዋይነትን (5ይ ክፋል)

ኣብ ዝሓለፈ ራብዓይ ክፋል ጭላፍ ዓንድታት ሃገራዊ ኢኦኖሚን ማሕበርዊ ህይወትን ዝምልከት (ዘይመፍረያይ ብቱን ኣሰፋፍራ፣ ብቱን ማንነት፣ ትሑት ናይ ስራሕ ግዘ፣ ወፅዓ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጥምየት፣ ፅልኢ ዘንቀሎ ጅኖሳይድ ካብ ማሕበርዊ ዋኒን ዝርሓቐ ሚድያን ድሑር ባህሊ ሃፀያዊት ኢትዮዽያን) ንምቕራብ ፈቲነ ኔረ:: ኣብ ትሕቲ ስእነት ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ዓንድታት ሃገራዊ ድፕሎማሲ ንምርኣይ ክፍትን እየ:: እቲ ቀዳማይ ዓንዲ ሃገራዊ ዲፕሎማሲ ኣብ መንጎ ምብርቕን ምዕራብን ዘሎ ሃጏፍ ዝምዝምዝ በለፀኛ መርገፂ እዩ ክብሃል ይክኣል:: እዚ መርገፅ እዙይ ካብ እዋን ዝሑል ኩናት ዓለም ዝጀመረ ሕዚ’ውን ዝቐፀለ ኮይኑ ንኹሉ ከከም ገፁ ንምሓዝን ካብ ኩሉ በብገፁ ሓገዝ ንምርካብን ዝተገብረ ጉዕዞ ዲፕሎማሲ ጥሉል ማሓዛ ዘስኣነ እዩ ኔይሩ:: እቲ ካልኣይ ዓንዲ ሃገራዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ዘይንፁር ርእዮተኣለማዊ ሰረት ደው ዝበለ ምኳኑ እዩ ኔይሩ:: ኣብ ፅሑፍ ፃዕዳ ካፒታሊዝም ኢና ንኽተል ዝብል ብተግባር ግና ኣብ ኣፍሪካ ሕብረት ተኸዊሉ ኩሎም ኣፍሪካውያን ፀረ ኢድ ኣዙር ባዕዳዊ መግዝእቲ ክላዓሉ ናይ መንግስታዊ ምዕባለ (developmental state) ቅዲ ክኽተሉ ዝጉስጉስን ዝመርሕን ሃገራዊ ዲፕሎማሲ ምንባሩ እዩ:: ነዚ ድማ ዓለም ብዓለማ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ረብሓ ንምርግጋፅ ብሽም ቀጥታዊ ወፃእተኛ ኢንቨስትመንት [FDI] ፖለቲካዊ ልኡኽ ሒዞም ብምእታው ነቲ ስትርቴጂክ መሪሕነት (ብምቕንፃል) ብጉቦን ግዕዝይናን ክብስብስ ኣብ ምግባር ናይ ባዕሎም ተራ ተፃዊቶም እዮም::   እቲ ሳልሳይ ዓንዲ ሃገራዊ ዲፕሎማሲ ድማ ብሽም ምኽባር ሰላምን ናይ ልምዓት ምሓዙት (Development partners) ናይ ወፃኢ ሓገዝን ኢንቨስትመንትን ኣብ ምእካብ ዝተደረኸ ናይ ወፃእ ዝምድና ዘሰላስል ምንባሩ እዩ:: እዚ ድማ ኣብ ልመናን ፅግዕተኝነትን ዝተሞርኮሰ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ክህሉ ተርኡ ቀሊል እዩ ዝባሃል ኣይነበረን:: ድሕሪ ለውጢ ድማ ኣብ ምድንጋርን ኣብ ሕሶትን ኣብ ምግልብባጥን ዝተደረኸ ኣዙዩ ሃገርን ህዝብን ናብ ውርደት ዘውረደ ሃገራዊ ዲፕሎማሲ ኣሎ ምባል ዝክኣል እዩ ዝመስለኒ:: ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ተዝህሉ ኔይሩ ዓለም ንመንን ብምንታይ ደረጃን ክትሕግዝ ከምትኽእል ምእማትን ነዚ ዝምጥን ዕላማ ቃልስን ውዳበን ምግባር ምተኽኣለ ኔይሩ :: ብኡ ልክዕ’ውን ዓለማዊ ደገፍ ምተረኸበ ይነብር!!! በዚ ሃገራዊ ጉዳይ ዛዚመ ግን ኣዝዮም ተኳሳሕቲ ዝኾኑ ብውልቀይ ዝፈልጦም ሽርሒ ውሽጣዊ ተኣመንቲ (inner circle conspiracy) … ጉዳይ ዘይሕጋዊ ንግዲ (contraband) … ምስ ማእሰርቲ ተኣሳሰሩ ቅለታትን ካልኦትን ንውልቀ ድሕንነተይን ነቲ ቃልሲ መኸተ ብዘለዎም ትርጉምን ዝገደፍኩዎም ምኳነይ ክሕብር እፈቱ:: ድሕሪ እዙይ ጉዳይ ትግራይ ዝምልከት ፀገማትን መፍቲሕታቶምን ንምቕራብ ክፍትን እየ:: የቐንየለይ::

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading