Tag: ሓደሽቲ ዛዕባታት
-
ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር መድረኽ መዕበዪ ግንዛበ ኣካይዱ።

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ማሕበር ምድሓን ወሎዶ ትግራይን ብሓባር ንሙዃን ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር መድረኽ መዕበዪ ግንዝበ ኣካይዶም። ኣብቲ ዋዕላ ተረኺቦም መልአኽቲ ዘሕለፉ ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዳይሬክትሬት ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ዝኾኑ ኣይተ ፍስሃ ብርሃነ ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤድስ ኣብ ትግራይ ” ሰብኣዊ መሰል ዘኽበረ…
-
ባንክታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ብር ከምዝተንጭበርበሩ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዓመታዊ ናይ ገንዘብ ድሕንነት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ከምዝሓበሮ ክስብ ሰነ 2024 ኣብዘሎ ግዜ ጥራሕ ካብ 28 ባንክታት 1.3 ቢልዮን ብር ብኣጭበርበርቲ ከምዝተሰረቑ ሓቢሩ። እዚ ዝተንጭበርበሩሉ ምኽንያት ድማ ብዘይሕጋዊ ባጤራ ፣ ብዝተሰረቑ ናይ ኤቲኤም ማሽናት ፣ ብናይ ሓሶት ቼክ ፣ብናይ ሓሶት ናይ ስልኪ መልአኽትን ብኻልኦት ምኽንያታትን ዝተፈፀሙ ሙዃኖም ጠቒሱ፥ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት ባንክታት…
-
ቀጻሊ ዋጋ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ዝርከባ ኤሌክትሪክ መካይን እንታይ ይመሰል?

ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ኣብ ከባቢ ኣየር ብዘስዕብኦ ብኽለትን ንነዳዲ ዝኾውን ሸርፊ ወፃኢ ንምቅናስን ብዝብል ተደላይነተን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐነሰ መፅዩ ኣሎ። ሃገራትን መካይን መምረትቲ ኩባንያታትን በምኽንያት ፖሊሲታትን ብኣገዲድነት ዕዳጋን ትኽረቶም ናብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ኣብ ምግባር ይርከቡ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዓደግቲ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን እናገዝኡ እንትኾኑ ስግኣቶም ድማ ዋጋ እተን መካይን እናቐነሰ ክኸይድ እዩ…

