Tag: #ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት
-
ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስን ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ተፈፃሚ ምግባርን ካብቶም ቁልፊ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኖም ፕረዚዳንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ኣፍሊጦም።

ህላወን ድሕንነትን ትግራይን ህዝባን ንምውሓስ ውድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባብናን ብብሰለት ብምርዳእን ጌጋታት ከይንፍፅም ተጠንቕቕናን ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝፍፀሙ መደባትን ኣንፈታትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣመልኪቶም ንኣመራርሓ ወረዳታት ፣ ከተማታትን ዞባታትን ትማሊ 8 ሰነ 2017 ዓ/ም ናይ ስራሕ መምርሕን ናይ መደብ ኦረንቴሽንን…
-
ማሕበራዉን ቁጠባዉን ፀገማት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ንምፍታሕ ጭቡጥ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ብምግንዛብ ዝከኣል ኩሉ ክስራሕ እዩ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ዘለዎም ማሕበራዉን ቁጠባዉን ፀገማት ክፍተሐሎም ንቢሮ ጥዕናን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሕቶታት እናቕረቡ ምፅንሖም ይፍለጥ። ንሕቶን ጠለብን ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ንምፍታሕ ድማ፣ ፈለማ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብ5 ግንቦት 2017 ዓ.ም ካብ ትሽዓቲኦም ማሕበራት ሰብሞያ ጥዕና ትግራይ ምስ ዝተወከሉ ኣካላትን ዝምልከቶም ሓለፍቲ ቢሮን አብ ዝተረኸብሉ ዝርዝር ምይይጥ ከም ዝተኻየደ ቤት-ፅሕፈት…
-
ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ምስ ዋ/ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ኮሪያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ምኽክር ኣካይዶም።

ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ምስ ዋ/ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ኮሪያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ምኽክር ከምዘካየዱ ቤት ጽሕፈት ፕረዚዳንት ሓቢሩ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ዋና ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ኮሪያ ቾይ ጆንግዩን ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያን ኣብ ትግራይ ብመንግስቲ ኮሪያ ብዛዕባ ዝሕገዛ ፕሮጄክትታት ኣመልኪቶም ሎሚ 22 ጉንቦት 2017 ዓም ኣብ ፅሕፈት ቤቶም…
-
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ፍትሕን ዳይነትን ብዛዕባ ድሕንነታዊ ስግኣት ኣካላት ፍትሕን ዳይነትን ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ፍትሕን ዳይነትን ብዛዕባ ድሕንነታዊ ስግኣት ኣካላት ፍትሕን ዳይነትን ኣመልኪቶም ዝርዝር ምኽክር ኣካይዶም። ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ከምዝሓበሮ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ትማሊ 18 ግንቦት 2017 ዓ/ም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ፍትሕን ዳይነትን ኣብ ስርዓት ዳይነት፣ ዳያኑን ኣኽበርቲ ሕግን ብዛዕባ ዘንፀላለወ ናይ ድሕንነት ስግኣት ኣመልኪቶም ዝርዝር ምኽክር ኣካይዶም። ኣብቲ…
-
ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብያተ ፍርዲ ሸውዓቲአን ክፍለ ከተማታት መቐለን ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለን ግልጋሎት ዳይነት ከምዘቋረፃ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 08 ግንቦት 2017 ዓ/ም ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ኣብ ቕትለት ንእስቲ ዘዉዱ ሃፍቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝወዓለ መጋበአያ፣ እቲ ከይዲ ስርዓት ዳይነት ብሓይሊ ተረብሹ ክቋረፅ ተገይሩ እዩ። ሎሚ ግንቦት 12/2017 ዓ/ም ድማ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለን ናይ ሽውዓቲአን ክፍላተ ከተማን ኣብያተ ፍርዲ ተፈጢሩ ብዘሎ ስግኣት ምኽንያት፣ መፍትሒ ክሳዕ ዝግበረሉ ግልጋሎት ዳይነት…
-
ውሱናት ኣካላት ንምርካብን ቂም ንምውርራድን ተባሂሉ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዝጎድእ ምንቅስቃስ ምግባር ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር እዩ!!

ውሱናት ኣካላት ንምርካብን ቂም ንምውርራድን ተባሂሉ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዝጎድእ ምንቅስቃስ ምግባር ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር እዩ!! ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ነበር ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ፋና ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተሓታትነትን ልዕልና ሕግን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ዘይኮነስ፣ ዝፈረሰ ይፍረስ ብዘስምዕ፣ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዘጉድፍን መፃኢ ዕድል ትግራይ ኣብ ሓደጋ ብዘእቱን ኣብ ውልቀሰባት፣…

