ካብ ዋዕሮታትና

Tigray Academy | 31 July 2024

ወ/ሮ ኬርያ ኣንዋር መሓመድ ትበሃል። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ማተሰኣ እያ። ወ/ሮ ኬርያ – ካብተን ንህዝበን ሕልፊ ፍቕሪ ዘለወንን ለይትን ቀትርን ዝቃለሳን ዋዕሮታት ትግራይ ሓንቲ እያ። ንኬርያ ብቕርበት ዝፈልጡዋ ኩሎም ኣድኒቖም ኣይፀግቡን። ኬርያ – ከም ኣደ ለዋህ፣ ከም ተቓላሲት ቆራፅን መስተውዓሊትን እያ ይብሉዋ። ኣብ ዝኣተወቶ ቃልሲ ኩሉ ውፅኢታዊት ከምዝኾነት ኩሉ ይምስክረላ።

ነባርነታ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝኾነት እዛ ትግራወይቲ ዋዕሮ፣ ንህዝባ ከመይ እናተቓለሰት ከም ዝመፀት ምግላፁ እውን ኣድላይ ክኸውን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብታሪኻውያን ፀላእቱ፣ በብዘበኑ ዓይነቱ እናለወጠ ብዝመፅእ ጭፍጨፋ፣ ዋጋ እናኸፈለ ከምዝመፀ ታሪኽ ምስክር እዩ። ኬርያ እውን ናይዚ ታሪኽ እዚ ግዳይ ኮይና ብዘበነ ፋሽሽታዊ ደርጊ ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዳ። ኣብ ሱዳን ምስ ኣተወት ግን ሱቕ ኣይበለትን። ኣብኡ ኣብ ዝነበረ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውዳበ ኣትያ ካብ ኣባል ክሳብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ደረጃ ኣገልጊላ።

ካብ ሱዳን ናብ ሃገረ ኣሜሪካ ምስ ከደት እውን ናብ ግላዊ ሂወት ጥራሕ ኣየድሃበትን። ኣብ ዝነበራ ናይ ቃልሲ መድረኻት ብምእታው ካብ ኣባል ክሳብ ብደረጃ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኮይና እናሰርሐት ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ህዝባ እናገልገለት ትርከብ። ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ማተሰኣ ኮይና እናገልገለት ዝፀንሐት ወ/ሮ ኬርያ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘበን መበል 50 ዓመት ምስረታ በዓል ማተሰኣ እውን ብላዕለዋይ መሪሕነት ደረጃ ኮይኖም ኣገልግሎቶም ክቕፅሉ ካብ ዝተመረፁ ኣመራርሓ ሓንቲ እያ።

እሞ ነዛ ፅንዕቲ ተቓላሲት ዋዕሮ፡ ምስ ኩሎም ኣባላት ኣመራርሓ ማተሰኣ፣ ሰናይ ናይ ስራሕ ዘበን ክኾነላ ሰናይ ትምኒትና እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading