ፓርላማ ኢትዮጵያ ፍልፍሉ ዘይተፈለጠ ሃፍቲ መንግስቲ ክወርስ ዘኽእል ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

ሎሚ ዕለት መበል 14 መደበኛ ኣኼብኡ ዘካየደ ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ መንግስቲ ፍልፍሉ ብዘይፍለጥ ኣገባብ ዝተፈጠረ ሃፍቲ ከምልስ ዘኽእሎ ኣዋጅ ኣፅዲቑ። ብሰፊሑ ኣዘራረቢ ኮይኑ ዝፀንሐ እዚ ኣዋጅ ሰባት ብወንጀልን ክራይኣካብነትን ብኻልኦት ፍልፍሎም ዘይፍለጥ ኣገባባትን ዝተፈጠረ ንብረት መንግስቲ ከምልስ ዝኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እቲ ኣዋጅ ዓሰርተ ዓመት ንድሕሪት ብምኻድ ንብረት መንግስትን ህዝብን ዘምልስን ናይ ሕጊ-ተሓታትነት ዘስዕቡ ድንጋገታትን ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ወይዘሮ እፀገነት መንግስቱ ኣብቲ ረቒቕ ኣዋጅ ዝተገበሩ ምስትኽኻላትን ዝተወሰኹ ዓንቀፃትን ከምኡ እውን ሪፖርትታትን ናይ ውሳነ ሓሳብን ነቲ ቤትምኽሪ ኣቕሪበን።

ወይዘሮ እፀገነት እቲ ኣዋጅ ብወንጀል ዝተረኸበ ንብረትን ገንዘብን ንምሓዝ፣ ንምእጋድ፣ ንምውራስ ወይ ንምምሕዳር ዘኽኣል ግልፂ ዝኾነ ዝርዝር ናይ ንብረት መምለስን መማሓደርን ስርዓት ምዝርጋሕ ኣብ ግምት ዘእተወ ረቒቕ ምዃኑ ከምዘረድኣ ተገሊፁ። እቲ ኣዋጅ ካብዚ ብተወሳኺ ንብረት ናይ ምምላስን ምምሕዳርን መሰረታዊ ድንጋገታት ምዕሩይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ብምውፃእ ኣብ ከይዲ ንብረት ምምላስን ምምሕዳርን ይኹን ድሕሪ ምውራስ እቲ ንብረት ኢኮኖምያዊ ተረባሕነት ንምኽባር እቲ ኣዋጅ መሰረታዊ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ብዘይ ኣግባብ ብውልቀሰባት፣ ብዘመድ ኣዝማድን ብካልኦት ሜላታትን ዝተሓብአ ናይ ህዝብን መንግስትን ንብረት ንምምላስ ዝነበረ ናይ ሕጊ ክፍተት ዝሽፍን ኣዋጅ ከምዝኾነ እውን ኣመላኺተን።

እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ዝቐረበሉ ረቒቕ ኣዋጅ፥ ቁፅሪ ኣዋጅ 1364/2017 ገይሩ ብሰለስተ ተቛውሞን ብኣርባዕተ ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading