⨳) ኣብ ትግራይ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም. ልዕሊ 2 ሚልዮን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንኽኸቱ መደብ ተታሒዙ’ኳ እንተነበረ ዛጊድ ግን ኣስታት 900 ሽሕ ተምሃራይ ጥራይ ከምዝተመዝገበ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ገ/ሄር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝሓበርዎ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ልዕሊ 2 ሚሊዮን ተምሃራይ ናብ ማኣዲ ካኣቱ ትፅቢት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ ዛጊድ ግን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣስታት 900 ሽሕ ጥራይ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እዚ ኣሃዝ እዚ ካብ ኣጠቓላሊ ብትልሚ ዝተትሓዘ 40 ሚእታዊ ጥራይ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ረዳኢ ገ/ሔር ንዚ ገዚፍ ሃጓፍ ንምሽፋን ኹሉ ህፃን ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንኻኣቱ ሕዝ’ውን ግቡእ ምልዕዓልን ጎስጓስን ከምዘድሊ ኣፍሊጦም።
ብኻልእ ወገን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ኣብ ዝተገበሩ ከባብታት ትግራይ ተምሃሮ ብቋንቋኦም ከይማሃሩ፣ናብ ማኣዲ ትምህርቲ ከይኣቱን ዝገበሩ ዘለዉ ፀቕጥታት ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝምልከቶም ኣካላት ብቅልጡፍ ፍታሕ ክህብሉ ይግባእ ኢሎም።
ሕዚ’ዉን እንተኾነ ኣብ ኢድ ወረርቲ ዝርከቡ ከባብታት ዘለዉ ብመስረት ውዕል ፕሪቶርያ አቶም ከባብታት ናብ ዋነኦም ተመሊሶም ተምሃሮ ግቡእ ትምህርቲ ክረኽቡ ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላት ክሰርሑ ከም ዝግባአ ተዛሪቦም።
⨳) ንከባቢን መሬትን ክልል ትግራይ ድሕሪን ቕድምን ኲናት ዝጥምት መጽናዕቲ ብ ኣብ ቤልጄም ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ጌንትን ዩኒቨርስቲ መቐለን መፅናዕቲ ተኻይዱ ።
ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ፣ ነቲ ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝተደኸመሉ ሕውየትን ልምዓትን ከባቢ ንድሕሪት ከምዝመለሶ፣ ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ይገልጹ። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ጌንት ቤልጀምን ዩኒቨርሲቲ መቐለን፣ ብሓባር ኣብ ዘሳለጥዎን ብፎቶግራፍ ዝተደገፈን መጽናዕቲ ትኹረት ዝምልከቶም ኣካላትን መላፍንቲ ወገናትን ከምዝጠልብ’ውን ሓቢሮም ኣለው።
እቲ መጽናዕቲ፣ ቅድመን ድሕረን ጄኖሳይዳዊ ኵናት ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ማይ፣ ኣግራብ፣ መሬት ብሕልፊ ፍግረ መሬት ከምኡ’ውን ተጻዋርነት መሬትን ዘተኮረ’ውን እዩ።
⨳) ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝረኣ ግጭት ብሰላም ክፍትሑ ፃዕራ ከም እትቕፅል ናይታ ሃገር ኣምባሳደር ፀዊዖም። ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ናይ ዩኤስኣይዲ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ፕሮግራም ሓገዝ ንኢትዮጵያ መዛዘሚ መደብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ግጭታት ቁጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ከንቆልቁል ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዕንወት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክቕፅል ከም ዝገበረ ገሊፆም።
እቶም ግጭታት ካብ ዘስዓብዎም ጉድኣት ንምሕዋይ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝወስድ ምዃኑን ብምዝርራብ ሰላም ንምስፋን ምስራሕ ከም ዘድሊ እቶም ኣምባሳደር ወሲኾም ኣተሓሳሲቦም።
⨳) ሕጹያት ምኽትል ፕረዚደንትታት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስን ቲም ዎልዝን ሎሚ ክትዕ ከካይዱ’ዮም። ንምኽትል ካመላ ሃሪስ ንዲሞክራሲያዊያን ወኪሉ ዝወዳደር ዘሎ ወዲ 60 ዓመት ቲም ዎልዝ ኣመሓዳሪ ግዝኣት መነሶታ ክኸውን ከሎ፡ ንምኽትል ትራምፕ ዝወዳደር ዘሎ ድማ ወዲ 40 ዓመት ሪፓብሊካን ጀይዲ ቫንስ፡ ካብ ኦሃዮ ዝተወከለ ሰነተር እዩ።
ንፕረዚደንትነት ዝወዳደሩ ዘለዉ ካመላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን፡ ዝሓለፈ መስከረም 10 ኣብ ዝገበርዎ ክትዕ ፡ ኣብተን ኣገደስቲ ዝብሃላ ከም ኢምግረሽን ቁጠባንን ምንጻል ጥንስን ዝበላ ጉዳያት ተኻቲዖም ኔሮም።
ነቲ ሎሚ ምሸት ኣብ መንጎ ሕጹያት ምኽትል ፕረዚደንትታት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝካየድ ዘሎ ክትዕ ዘተኣናግዶ ዘሎ፡ ትካል ዜና ሲቢኤስ እዩ። ን90 ደቓይቕ ድማ ክካየድዩ። ኣመሓዳሪ ግዝኣት መነሶታ ቲም ዎልዝ ኣብ 2020 ኣብ ከተማ ሚንያፖሊስ ዝተራእየ ጭካነ ፖሊስ ዝምልከት ነቐፈታ ክመጾ ጸኒሑዩ። ጀይዲ ቫንስ ድማ ኣብ 2021 ዝሃቦ ኣሰሓሓቢ ማለት “እዛ ሃገር ቆልዑ ብዘይብለን ደቂኣንስትዮ እንተተመሪሓ ንባዕለን ስለዘይሕጎሳ ነዛ ሃገርውን ከሓጉስኣ ኣይክኣላንየን ” ዝብል ርእይቶ ንካመላ ሃሪስ’ዩ ብዝብል ከቢድ ነቐፈታ ክመጾ ጸኒሑ’ሎ ክብል VOA ፀብፂቡ።
⨳) ካብ መጠን ንላዕሊ (Smart phone) ሞባይል ምጥቃም ንሕማም መንሽሮ (ካንሰር) የቃልዕ’ዩ ተባሂሉ ዝንዛሕ ሓበሬታ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ጌጋ መረዳእታ’ዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ዘማእኸሎ መፅናዕቲ ዕላዊ ገይሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ሰብ ሰናይ ተበግሶ ተመራመርትን ብምልፋን ኣብ ዘካየዶ መፅናዕታዊ ምርምር ኣብ መንጎ ዘመናዊ ሞባይልን (Smart phone) ሳዕቤናት ሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ርእስን ከምዘይብሉ ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ።
ኣብ ልዕሊ 250 ሽሕ ፍቓደኛታት ኣብ ዝተኻየደ መፅናዕታዊ ምርምር ሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ርእስን ሞባይልን ዝኾነ ይኹን ምትእስሳር ከምዘይብሎም ተረጋጊፁ ዘሎ ንነዊሕ ሰዓታት ንSmart phone ኣብ ሞንጎ ዝጥቀሙን ዘይጥቀሙን ኣብ ዝተኻየደ ምርምር ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ውፅኢት ከምዘይተረኽበ ውፅኢት እቲ ምርምር ኣብሪሁ’ሎ ከም ፀብፃብ ማዕከን ዜና ዩሮ ኒውስ።
⨳) ኢራን ናብ እስራኤል ልዕሊ 200 ሚሳይላት ከም ዘወንጨፈት ተሓቢሩ ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዝፈፀምትን ዛጊድ ዝኾነ መጉዳእቲ ከምዘይተራእየን ፡ መብዛሕቲኦም ሚሳይላት ከምዝመኸኑ ሰብ መዚ እስራኤል ብምሕባር ሰላማውያን ሰባት ካብቲ መዕቆቢ ቦምባታት ክወፁን ክንቀሳቐሱን ከምዝኽእሉ ሓቢሮም ኣለዉ።
ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ” መጥቃዕቲ ኢራን ሳዕቤን ክህልዎ’ዩ” ብምባል ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ኢራን ግብረ መልሲ ከምትህብ ኣማላኺቶም ኣለው ።
ሎሚ ሰሉስ እስራኤል ኣጋር ሰራዊታ ናብ ሊባኖስ ዶብ ሰጊሮም ክኣትው ብምግባር “ውሱን፣ ከባቢ ዕላማ ዝገበረን” ዝበለቶ መጥቃዕቲ ምድራዊ ኣንፃር ሂዝቦላህ ምጅማራ ይፍለጥ ።
ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሚሳይል መጥቃዕቲ ክትፍፅም ትዳሎ ኣላ ብምባል ኣጠንቒቓ ዝነበረት ኣሜሪካ ነቲ ካብ ኢራን ኣንፃር እስራኤል ዝተፈነው ቀጥታዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምምካን ከም ተሳተፈት ሓቢራ ኣላ ።
እዚ መጥቃዕቲ ንኢራን ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ’ዩ ዝበለት ኣሜሪካ “ንእስራኤል ካብዚ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝግበር ኩሉ ምክልኻላዊ ምድላዋት ከምዝገበረት ሓቢራ ክብል ሲ ኤን ኤን ፀብፂቡ።
ኢራን ብግድኣ እዚ መጥቓዕቲ ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዜጋታትን ብቐጥታን ብተዘዋውርን ትፍፅሞ ናይ ዘላ ዘይዛረየ መጥቃዕቲ ፈላማይ ግብረ መልሲ እዩ ፡ ካብዚ ተዘይተማሂራ ግና ዝገደደ መጥቃዕቲ ክስዕባ እዩ ክትብል ተሓንያ ኣላ ፡ ከም ፀብፃብ ፕረስ ቲቪ ።


Leave a Reply