ብምኽንያት ሕማም መሓመድ ቢን ዛይድ ፕረዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገብርዎ ዑደት ተናዊሑ።

ብምኽንያት ሕማም መሓመድ ቢን ዛይድ ፕረዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገብርዎ ዑደት ተናዊሑ።

ኤርዶጋን ምስ ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ብተሌፎን ድሕሪ ዝገበርዎ ዝርርብ ተሊሞምዎ ዝነበሩ ዑደት ከመዝተናውሐ ተገሊፁ። ኤርዶጋን ፕረዚደንት መሓመድ ቢን ዛይድ ንዝገጠሞም ናይ ጥዕና ፀገም “ኣምላኽ ቅልጡፍ ሕውየት ይሃቦ” ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ኤርዶጋን ብሰንኪ ሕማም ቢን ዛይድ ናብ ኣቡዳቢ ክገብርዎ ሓሲቦም ዝነበሩ ዑደት ክናዋሕ ምውሳኖም ዝተገለፀ እንትኾን ፤ ሰበስልጣን ቱርኪ ከም ዝገለፅዎ ድማ እቲ ዑደት፡ ጥዕና ቢን ዛይድ ምስ ተመሓየሸ፡ ንኽልቲኦም ኣብ ዝጥዕም ግዜ ከምዝካየድ ኣመላኺቶም።

ኤርዶጋን ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ዝነበሮም ዑደት ምንውሖም ዝገለፁ፡ ካብዚ ቀፂሎም ናብ ኢትዮጵያ ክመፁ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ብመሰረት ፀብፃብ መራኸቢታት ቱርኪ፡ ኤርዶጋን ብዕድመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመፅእ መደብ ተታሒዙሉ ከምዘሎ ተገሊፁ እዩ።

እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር ጉዕዞ ኤርዶጋን ንፅባሕ የካቲት 10/2018 ዓ/ም መደብ ከምዝተትሓዘሉ ዝተገለፀ እንትኾን፤ ዛጊድ እቶም ፕረዚደንት ብዛዕባ ናይ ኣዲስ ኣበባ ጉዕዞኦም ምንውሑን ዘይምንውሑን ዝተገለፀ ነገር ዘየለ ብሙዃኑ ጉዕዞ እቶም ፕረዚደንት ብዝተትሓዘሉ መርሃ ግብሪ መሰረት ንክካየድ ትፅቢት ዝግበር እንትኾን ንጉዳይ ሱዳን ዝምልከቱን ካልኦት ስምምዕነታትን ከምዝፈራረሙ ተገሊፁ እዩ።

ቱርኪ ቅድም ክብል ልኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ንክኽበር እትገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ምግላፃ ዝዝከር እንትኾን፡ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኣሜሪካ ሳዳት ኦናል ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ሰላም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ሰብኣዊ ሓገዝ ፈንድ ሱዳን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ድማ ምርግጋዕ ሱዳን ነቲ ዞባ ኣዝዩ ኣደላዪ ምዃኑ ሃገሮም ከም እትኣምን ምግላፆም እውን ዝዝከር እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዑጥቓት ዳዕመል ሰሪዕ (RSF) ዝስልጥንሉ ወታሃደራዊ ካምፕ ብሓገዝ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ብምህናፅ ወታሃደራት ብምስላጣንን ምስ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ብምትሕብባር ካልኦት ናይ ዕጥቂን ስንቂን ሓገዝ ይገብር ከምዘሎ ሮይተርስ ንላዕለዎት ወታሃድራዊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ፣ ናይ ድሕንነት ሰባትን ከምኡ’ውን ናይ ሳተላይት ምስልታት ብምድጋፍ ከምዘቃልዐ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ልኡል ፈይሰል ቢን ፋርሃን ቢን ኣብዱላህ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ምስ ቀደማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘካየዶ ዘተ እውን ምስ እዚ ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማስያዊ ፍልፍላት ዝጠቆሙ እንትኾን ኤርዶጋን እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ጉዳይ ሱዳን ቀንዲ ኣጀንድኦም ክኸውን ከምዝኽእል እናተገለፀ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading