Tag: #ቱሪዝም
-
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እናሰርሐቶም ካብ ዘላ 9 ዘመናዊ ሪዞርትታት እቲ ሓደ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

ብሃፍቲ ነዳዲ ዝረኸበቶ ኣታዊ ናብ ዓውዲ ቱሪዝም ኣብ ምቕያር ተፀሚዳ ዘላ ኮይና፤ እታ ሃገር ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣማላ (AMAALA) ዝብል ስያመ ዝሃበቶ ፕሮጀክት ሓንፂፃ ዘመናዊ ሪዞርትታትን ሆቴላትን ኣብ ምህናፅ እያ ትርከብ። ብፍላይ ስዑዲ ሃፍቲ ነዳዲኣ ክውዳእ ዝኽእለሉ ዕድል ከምዘሎ ዘመላኽቱ መፅናዕቲታት ምርካባ ስዒቡ ብቀፃልነት ናይታ ሃገር ፍልፍል ኣታዊ ክኸውን ዝኽእል ቁጠባ ኣብ ምህናፅ እያ…

