ብሃፍቲ ነዳዲ ዝረኸበቶ ኣታዊ ናብ ዓውዲ ቱሪዝም ኣብ ምቕያር ተፀሚዳ ዘላ ኮይና፤ እታ ሃገር ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣማላ (AMAALA) ዝብል ስያመ ዝሃበቶ ፕሮጀክት ሓንፂፃ ዘመናዊ ሪዞርትታትን ሆቴላትን ኣብ ምህናፅ እያ ትርከብ።
ብፍላይ ስዑዲ ሃፍቲ ነዳዲኣ ክውዳእ ዝኽእለሉ ዕድል ከምዘሎ ዘመላኽቱ መፅናዕቲታት ምርካባ ስዒቡ ብቀፃልነት ናይታ ሃገር ፍልፍል ኣታዊ ክኸውን ዝኽእል ቁጠባ ኣብ ምህናፅ እያ ትርከብ። ስዑዲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቱኽረት ሂባ እናሰርሐትሉ ዘላ ድማ ዓውዲ ቱሪዝም እዩ።
ሱዕዲ Red sea group ብዝተብሃለ ኩባንያኣ ዝምራሕ (AMAALA) ዝተብሃለ ህንፀት ፕሮጀክት ዘመናዊ ሪዞርታት እናካየደት ዘላ ኮይና፤ ካብቶም ኣብ ትሕቲ እዚ ፕሮጀክት ክሳብ 2030 ክዛዘሙ መደብ ተታሒዙሎም እናተሰርሑ ዘለው 9ተ ሪዞርት እቲ ሓደ ህንፀቱ ከምዝተዛመ ጋዜጣ ስዑዲ ሒዝዎ ዝወፀ ፀብፃብ የመላኽት።

እዚ ዘመናዊ ሪዞርት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከቡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተሃነፀ እንትኾን፤ እዚ ሪዞርት ምዕሩጋት ቅርፅታትን ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲታት ቀይሕ ባሕሪ ተጎዝጊዙ ዝተሰርሐ ምስቲ ምኻኑ ንሃወፅቲ ኣዝዩ ስሓባይ ፅባቐ ዝወነነ ሪዞርት ሙዃኑ እዩ እናተገለፀ ዘሎ።

ብሓፈሻ እዚ ኣብ ትሕቲ AMAALA ዝተብሃለ ፕሮጀክት ዝካየድ ዘሎ ህነፀት 9ተ ዘመናዊ ሪዞርትታት ኣስታት 1,600 ቤት መደቀሲ ዝሓዙ ሆቴላት፣ ዘመናዊ እንዳጭፈራ (ክለብ) ሓዊሱ ኣብቲ ባሕሪ ዝተሃነፁ መንደራት ዘጠቓለለ ሰፊሕ ናይ ቱሪዝም ሰፈር እያ ኣብ ምህናፅ ዘላ።
እቲ ሐዚ ተዛዚሙ ከምዘሎ ዝንገረሉ ዘሎ ፈላማይ ሪዞርት ድማ 202 ክፍልታት ቤት መደቀሲ፣ ሰፊሕ ግዝያዊ መንበሪ ገዛውቲ፣ ናይ ኣትክልቲ ቦታን ብሰፊሑ ንቀይሕ ባሕሪ እትዕዘበሉ ቦታታትን ዘጠቓለለ ሪዞርት ምዃኑ እዩ ጋዜጣ ስዑዲ ሐዙዎ ዝወፀ ፀብፃብ ዘመላኽት።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ህንፀቱ ተዛዚሙ ዘሎ ፈላማይ ሪዞርት ኣብ 2,095 ሜትር ስኩዌር ዝዓረፈ ማእኸል መፀባበቒን ግልጋሎታት ማሳጅን ስቲም ከምኡ እውን መንፈስካ ዘሕድሱ ኣገልግሎታት ዝወሃበሉ ማእኸል ዝሓዘ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ 511 ሜትር ስክዌር ስፍሓት ዘለዎ መስርሒ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ፣ ቤተሰቦም ሒዞም ንዝኸዱ ሃወፅቲ ድማ ናይ ውልቀኦም መሐመሲ ገንዳ ዝሓዘ ቪላ ገዛውቲ፤ ኢሉ’ውን ዓለም ለኻዊ ኣኼባታትን መርዓን ዝካየድሉ ዘመናዊ ኣደራሽ ከምዘለዎ እዩ ተገሊፁ ዘሎ።
ብሰንኪ ኲናት ኣሜሪካን ኢራንን ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝውሕዙ ዝነበሩ በዝሒ ሃወፅቲ ክቕንሱ ገይሩ ምንባሩ ዝዝከር እንትኾን፤ ኮይኑ ግን ኣብዚ ሐዚ እዋን ቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ መዕለቢ ዝረኸበ እዩ ዝመስል። ብመሰረት እዙይ ድማ ስዑዲ እናሰርሐትሉ ዘላ ዓውዲ ቱሪዝም ውፅኢታዊ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።



Leave a Reply