Tag: #ስደተኛታት ኢትዮጵያ
-
ኣሜሪካ ኣብ የመን ብዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣየር ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ልዕሊ 68 ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ብዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣየር ዕጡቓት ሁቲ ኣብ ዝቆፃፀርዎ ሰሚናዊ ምዕራብ የመን ኣብ ዝርከብ ማእኸል መዳጎኒ ስደተኛታት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ልዕሊ 68 ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ሮይቶርስ ፀብፂቡ። ብዕጡቓት ሁቲ ከም ዝመሓደር ኣብ ዝተገለፀ ናይ የመን ቴሌቭዥን ጣብያ ካብቲ ደብዳብ ዝተፈፀመሉ ቦታ ዝወፅኡ ጉድኣት ዝበፅሖም ስደተኛታት ካብቲ ፍረስራስ እንትወፅኡ ኣብ ዝረኣየሉ ስርጭት ብኣምሓርኛ “ወይኔ እናቴ” ዝብል ድምፂ ዘስምዕ…

