ኣሜሪካ ኣብ የመን ብዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣየር ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ልዕሊ 68 ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ብዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣየር ዕጡቓት ሁቲ ኣብ ዝቆፃፀርዎ ሰሚናዊ ምዕራብ የመን ኣብ ዝርከብ ማእኸል መዳጎኒ ስደተኛታት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ልዕሊ 68 ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ሮይቶርስ ፀብፂቡ።


ብዕጡቓት ሁቲ ከም ዝመሓደር ኣብ ዝተገለፀ ናይ የመን ቴሌቭዥን ጣብያ ካብቲ ደብዳብ ዝተፈፀመሉ ቦታ ዝወፅኡ ጉድኣት ዝበፅሖም ስደተኛታት ካብቲ ፍረስራስ እንትወፅኡ ኣብ ዝረኣየሉ ስርጭት ብኣምሓርኛ “ወይኔ እናቴ” ዝብል ድምፂ ዘስምዕ ዝቖሰለ ስደተኛ ከምዝነበረ ፀብፃብ ሮይተርስ ይሕብር።

ኣብቲ ደብዳብ ልዕሊ 68 ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ዝተገለፀ እንትኾን ዑጡቓት ሁቲ እቲ ደብዳብ ኣሜሪካ ከምዝፈፀመቶ ምግላፆም ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ፀብፃብ ልዕሊ 47 ሰባት ከምዝቖሰሉ ዝገለፀ እንትኾን እቲ ቴሌቭዥኝ ጣብያ ካብቲ ደብዳብ ዝተፈፀመሉ ቦታ በቲ ሓደጋ ኣሰቃቒ ጉድኣት ዝበፅሖም ስደተኛታት እንትወፅኡ የርኢ ከምዝነበረ የመላኽት።

ፀብፃብ ሮይተርስ እቲ ናይ ኣየር ደብዳብ ዝተፈፀመሉ ቦታ ኢትዮጵያን ሓዊሱ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝገብርዎ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ዋና መንገዲ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ እንትኾን እቶም ስደተኛታት “ሳዳ” ኣብ ዝተብሃለ ዘይሕጋዊ መዕገቲ ስደተኛታት ከምዝነበሩን መስካሕክሒ ዝብሃል ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብዞም 68 ዝሞቱ ስደተኛታት በዝሒ ኢትዮጵያዊያን ክንደይ ከምዝኾነ ብኑፁር ዘይተገለፀ እንትኾን ሮይተርስ ነዚ ኣመልኪቱ ንሓደ ናይ ሰራዊት ኣሜሪካ በዓል ሰልጣን ሓቲቱ ኣብ ልዕሊ ሲቪልያን ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘይፈልጥ ከምዝነገሮ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading