ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ምውፃእ ከምዝጀመሩ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተምሃሮ ደቡብ ኣፍሪካ ዜጋታት ወፃኢ ካብ ሃገሮም ንክወፅኡ ዝፅውዕ ናዕቢ ምክያዶም ስዒቡ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ዜጋታቶም ካብታ ሃገር የውፅኡ ከምዘለው ተገሊፁ።

እቶም ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ሰብን ጉድኣት ዘብፅሑ ዳብራ የእማን ዝተሓወሶ ዜጋታት ወፃኢ ሃገራት ካብ ዓድና ውፁልና ዝብል ናዕቢ ምክያዶም ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት እዙይ ድማ ነዚ ቅልጡፍ መልሲ ዝሃበት ሃገር ጋና እንትኾን ዛጊድ ንድሕንነት ዜጋታታ ብምስጋእ ኣስታት 300 ዜጋታታ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዘውፀአት መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይጀርያ እውን ዜጋታታ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ንምውፃእ ምንቅስቓስ ዝጀመረት ካሊእቲ ሃገር እንትኾን፤ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ናይጀርያ ቢያንሳ ኦዱመግው ኦጅክው ድማ ነቲ ናዕቢ ድሑር ጭካነ “ባርቤሪክ” ክብሉ ገሊፆሞ እዮም። ብመሰረት እዙይ ድማ ናይጀርያ ድሕንነት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዘረጋታታ ዝምልከት ንምዝታይ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ጉጅለ ልኡኽ ንምስዳድ ትዳሎ ከምዘላ ዝሓበሩ ኮይኖም፤ ጎናጎኒ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታት እናመዝገበት ከምዘላን ዛጊድ ድማ ኣስታት 160 ሰባት ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ እዩ።

ፋይናንሻል ታይምስ ከምዝፀብፀቦ ድማ ኣብዚ ሰመን ኣንፃር ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኣፍሪካውያን ዜጋታታት ዘቕንዑ ስነልቦናዊ መጥቃዕቲታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እናተዘርግሑ ከምዝቐነዩ ዝፀብፀበ ኮይኑ፤ እዚ ድማ ጉዳይ ድሕንነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዘለው ዜጋታት ወፃኢ ናይዚ ሰሙን ዝዓበየ ዲፕሎማስያዊ ኣጀንዳ ክኾን ከምዝገበሮ ሓቢሩ እዩ።

ኣብ አፍሪካ ብዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝፅርሓ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪካ ኣስታት 4 ሚልዮና ወፃእተኛታት ዝነብሩላ ሃገር እንትኾን፤ እዚ ድማ ካብ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር 6 ሚኢታዊ ከምዝበፅሕ ድማ ነበር ኣማኻሪ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣላን ሂርስች ይገልፁ።

መብዛሕትኦም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታታት መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ዋላ እኳ እንተኾኑ፡ ማሕበረሰብ እታ ሃገር ግን ካብቶም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም እቶም ዘይብሎም እዮም ዝበዝሑ ዝብል እምነት ከምዘለዎን፡ እዚ ድማ ዜጋታታት ደቡብ ኣፍሪካ እኹል ናይ ስራሕ ዕድል ንከይረኽቡ ምሽማይ ፈጢሩ እዩ ዝብል ቅሬታ ከምዘለዎም እናተገለፀ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዚ ዓይነት ናዕብታት ክልዓሉ ዝተለመደ እንትኾን፤ እዚ ተቛውሞ ካብ 2008 ኣ.ፈ ጀሚሩ ቅልቅል ጥፍእ እናበለ ዝመፀአ እዩ። ኣብ 2008 ኣ.ፈ ኣብ ዝነበረ ዓመፅ ኣስታት 60 ሰባት ዝተቐተልሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እንትኾን፤ ብድሕሪኡ ቀፂሉ እውን ኣብ ልዕሊ ዜጋታታት ዚምባብዌ፣ ሞዛምቢክን ናይጀርያን ዘነፃፀሩ ናዕቢታት ኣብ 2015 ኣ.ፈ ከምኡ’ውን ኣብ 2019ኣ.ፈ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር።

ነዞም ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓሳት ተቛወምቲ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ብድሕሪት ኮይኖም የቀፃፅልዎ ከምዘለው እናተገለፀ ዘሎ እንትኾን፤ ብካልእ ገፅ ድማ ደቡብ ኣፍሪካ ንምሕዝነት ፓን ኤፍሪካኒዝም እናካሓደት ከምዘላ ዝገልፁ ነቐፈይታታት ብስፍሓት እናተገለፁ እዮም።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ብግድኡ ነዞም ኣንፃር ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኣፍሪካውያን ዘቕንዑ ምንቅስቓሳት ብምውጋዝ፥ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ዝውዝዑ ዘለው ዝተጋገዩ ዝበሎም ሓበሬታታት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኣፍሪካ ሮናልድ ላሞላ ኣብ ዝሃብዎ መብረሂ ከምዝገለፅዎ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጋጢሙ ብዝነበረ ናዕቢ ዝተቐተሉ ዜጋታታት ወፃኢ ኣለው እዮም ዝብሉ ፀብፃባት ካብ ሓቂ ዝረሓቑ እዮም ክብሉ ገሊፆም እዮም።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading