ኣውሮፓ ሕብረት ኣብቲ ኣሁጉር ዘለው ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ኣፍሪካ ወይ ኣብ ካልኦት ዓድታት መፅንሒ ቦታ ብምድላው ናብኡ ክወፅኡ ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣሶሼትድ ፕረስ ፀብፂቡ።
ሕብረት ኣውሮፓ ቅድም ክብል ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝጀመሮ መስርሕ ምውፃእ ስደተኛታት ዝመሳሰል ውሳነ ብምምሕልላፍ ኣብ ኣውሮፓ ዘለው ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ካብቲ ኣሁጉር ንምውፃእ ይሰርሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ እዩ።
ካብ 2024 ጀሚሩ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮፓ ኣኽረርቲ ካፒታሊስት ሓይልታትን ብሄርተኛታትን ናብ ስልጣን ምምፀኦም ስዒቡ ኣውሮፓ ሕብረት ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝምልከት ዝነበሮ መስርሕ እናጥበቐ ከምዝመፀ መርበብ ሓበሬታ ኣሶሼትድ ፕረስ ሒዝዎ ዝወፀ ሓተታ የመላኽት።
ፕረዚደንት ኮምሽን ኣውሮፓ ዝኾኑ ኡርስላ ቮን ደር ለየን ንዚ ሓዱሽ መስርሕ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከምዝገለፅዎ “እዚ መስርሕ ኣብ 2015 ኣብ ሶርያ ዘጋጠመ ቅልውላው ስዒቡ ናብ ኣውሮፓ ዝኣተው ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሓተቲ ዕቑባ ዝተቐበልናሉ ኣጋጣሚ ከይድገም ኣብ ምግባር ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ” ክብሉ ገሊፆም እዮም።
ከም ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ እንተኾይኑ ኣውሮፓ ሕብረት “Pact on Migration and Asylum” ብዝብል ስያመ ዘውፀኦ መምርሒ ቁፅፅር ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ካብ ዕለት 12 ሰነ 2026 ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር ተገሊፁ እዩ።
እዚ መስርሕ ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ዝጓዓዙ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዝግባእ ምርመራ ብምግባር ብዕቑባ ይኹነ ብሰደተኛነት ናብ ኣውሮፓ ንምእታው ዝተቐመጡ ረቛሕታት ዘማልእ እንተኾይኑ ንክቕበልኦ፤ እንድሕር ዘየማልእ ኮይኑ ግን ብቑልጡፍ ናብ ሃገሩ ወይ እውን ኣውሮፓ ሕብረት ናብ ዘዳለዎ ተቐባልነት ናይ ዘይረኸቡ ቦታ ንክውሰድ ዝድንግግ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮፓ ስደተኛታት ናብ ጥቓ ዶባት ኣውሮፓ ከይበፅሑ ናብ ሃገሮም ብሓይሊ ወይ ብድሌቶም ክምለሱ ንምግባር ሚልዮን ዶላራት ገንዘብ መዲቡ ከምዘሎ እቲ ፀብፃብ ኣመላኺቱ እዩ።
ንውሳነ ሕብረት ኣውሮፓ ስዒቡ ጣልያን ተቐባልነት ዘይረኸቡ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝምልከት ንዝሓለፉ ዓመታት እናተጠቐመትሉ ዝፀንሐት መስርሕ ከም መርኣያ ኣቕሪባትሉ ኣላ። ጣልያን ተቐባልነት ዘይረኸቡ ሓተትቲ ዑቕባን ስ።ተኛታትን መፅንሒ ኣብ ኣልባንያ ከምዘለዋ ዝፍለጥ እንትኾን፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ጣልያን ኣብ ኣልባንያ ኣብ ዝኸፈተቶ መፅንሒ ስደተኛታት 90 ሰባት ኣቐሚጣ ከምዘላ ኣባል ፓርላማ ጣልያን ራቼለ ስካፕራ ገሊፀን እየን።
ካብዚ ብተወሳኺ ካቢኔ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጣልያን ጄዮርጂያ ሜሎኒ ቅድም ክብል ንስደተኛታት ዝምልከት ጥቡቕ መምርሒ ምፅዳቑ ዝዝከር እዩ። እቲ መምርሒ ድማ ኣብ ባሕርታት ጥቡቕ ክትትል ብምግባር ስደተኛታት ናብ ዶብ ጣልያን ከይበፅሑ ናብ ዝመፅሉ ወይ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምግባርን፤ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ፅዒነን ዝርከባ ናይ ዘይመንግስታዊ ትካላት ወይ እውን ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ጀልባታት ቅፅዓት ክሳብ 50,000 ዶላር ዝበፅሕ ገንዘብ ክቕፅዓ ዝድንግግ እዩ።
ብመሰረት እዙይ ድማ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዘተኣታተዎ ፖሊሲ ዝመሳሰል ኣካይዳ ይኽተል ከም ዘሎ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብግደእን እዚ ዓይነት መስረሕ ንደቂ ሰባት ዝግበር ሕጋዊ ከለላ ዘዳኽምን መሰል ስደተኛታት ዝጥሕስን እዩ ብዝብል ተቛውሞኦም እናገለፁ ከምዝርከቡ ተገሊፁ እዩ።
ኦሊቭያ ሳንድበርግ ዲዝ ሰራሕተኛ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝበለቶ ድማ “ኣውሮፓ ልዕሊ ኣሜሪካ ንፀገም ንዝተቓልዑ ስደተኛታት ከለላ እናሃበ ፀኒሑ እዩ” ዝበላ እንትኾን “ይኹን እምበር ሐዚ ናይ ጭካነ ፖለቲካዊ መስርሓት እናተኣታወ ይርከብ” ብምባል ተቛውሞአን ገሊፀን እየን።
ኮይኑ ግን ሕብረት ኣውሮፓ ካብ ብሐዚኡ በሰድሮናትን ናይ ድሕንነት ካሜራታትን ኣቢሉ ኣብ ምንቅስቓስ ስደተኛታት ጥቡቕ ክትትል ምግባር ከምዝጀመረ ኣሶሼትድ ፕረስ ፀብፂቡ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ብዘለው ኲናት፣ ናይ ውልቀ መላኽቲ ስርዓታትን ትሑት ቁጠባን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ናብ ኣውሮፓ ዝጓዓዙ ምዃኖም መፅናዕቲታት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም በብግዚኡ ዕላዊ ዝገብሮም መፅናዕቲታት ዘመላኽቱ እንተኾን፤ ይኹን እምበር ሕብረት ኣውሮፓ ንስደተኛታት ዝምልከት ዝኽተሎ ዘሎ መስርሕ ቁፅሮም ዘይነዓቕ ሰደተኛታት ናብ ተወሳኺ ፀገም ዘቃልዕ እዩ።



Leave a Reply