ትንበያ ክራማት 2018 ( ሰነ 2018 ዓ/ም -መስከረም 2019 ዓ/ም) ዘጠቓለለ እንትኾን ካብ ዓመታዊ ብፅሕት መጠን ዝናብ ልዕሊ 80% ሽፋን ኣብ ክልልና ዝርከበሉ ወቕቲ እዩ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ትሮፕካል ፓስፍክን ሰሜናዊ ህንዲ ውቅያኖስ ፀፍሒ ባሕሪ ሙቐት መደበኛ እዩ ዘሎ፡፡ ይኩን እምበር ካብ ወርሒ ሓምለ ጀምሩ ልዕሊ መደበኛ (Weak to moderate ElNino) ናይ ምዃን ዕድል ከምዘለዎ ተተንብዩ ኣሎ፡፡
በዚ መሰረት ድማ መብዛሕትኦም ከባብታት ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕ ፣ምብረቕን ማእከላይን ትግራይ መደበኛን ትሕቲ መደበኛን ናይ ዝናብ ዝርገሐ ናይ ምርካብ ዕድል እንትህልዎም ብፍላይ ካዓ ወረዳታት ኢሮብ፣ ጉሎመኸዳ ፣ ስዋሕ ሳዕስዕ ፣ ፃዕዳ እምባ ፣ ኣፅቢ ፣ ፅራእ ወንበርታ ፣ እንደርታ ፣ ሕንጣሎ ፣ ወጀራት 20 ዓዲ ፣ ሳምረ ፣ ሰሓርቲ፣ ራያ ዓዘቦ ፣ራያ ጨርጨር፣ ቆላ ራያ ኣላማጣ ትሕቲ 300 ሚ.ሜ መጠን ዝናብ ናይ ምርካብ ዕድል እንትህልዎም ነገር ግን መብዛሕትኦም ወረዳታት ማእከላይ ዞባ ብፍላይ ድማ መዋሰንቲ ዞባታት ደቡብ ምብራቕን ምብራቕን (ቆላ ተንቤን፣ ኣበርገለ የጭላ፣ ጣንቋ ምላሽ፣ ቀይሕ ተኽሊ፣ ማይቅነጣል፣ እንዳባፃሕማ፣ እምባስነይቲ፣ እገላ፣ ኣሕፈሮም፣ ጭላ፣ ራማ ዓዲ 4ተ፣ ኣሕሰኣ) ትሕቲ 400 ሚ.ሜ መጠን ዝናብ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎም፡፡
ዞባታት ምዕራብ ፣ ሰሜን ምዕራብን ዉስን ከባብታት ማእኸላን ኣብ ኣብዝሓ ከባብታቶም መደበኛ ናይ ዝናብ ዝርገሐ እንትህልዎም ነገር ግን ኣብ ዉስን ቦታት/ወረዳታት (ሰ/ኣድያቦ፣ ማእኸል ኣድያቦ፣ ታ/ኣድያቦ፣ ላዕላይ ፀለምቲ፣ ፀለምቲ) ትሕቲ መደበኛ ናይ ዝናብ ዝርገሐ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎም፡፡
ኣታኣታትዋን ኣወፃፅኣን ክራማት 2018 ዓ.ም ኣብ መብዛሕትኦም ከባብታት ምዕራብ ፣ ሰሜን ምዕራብን ዉስን ከባብታት ማእኸላን ክልልና ብውስን መልክዑ ብስሩዕ /መደበኛ እዋኑ ዝጅምር እነትኸውን ነገር ግን ኣወፃፅኣ ክራማት 2018 ዓ.ም ኣብ መብዛሕትኦም ከባብታት ክልልና ቀድሙ ከምዝወፅእ ተተንብዩ ኣሎ፡፡ ብሓፈሻ ክርማት 2018 ዓ/ም ኣብ ኣብዝሓ ወረዳታት ደቡብ ፣ደቡብ ምብራቕ ፣ ምብረቕ፣ ማእኸላይን ዉሱን ከባብታት ሰ/ምዕራብን ናይ ዝናብ ምቁርራፅ (ነውሕ ደረቕ ማዕልቲታት/ long dry spell) ከምኡውን ዘይምዕሩይ ዝርገሐ ዝናብ /erratic rainfall distribution / ክክሰት ከምዝክእል ተተንብዩ ኣሎ፡፡
ዘለዎ ኣሉታዊ ፅዕንቶን ክግበር ዝግበኦን
ክስርሑ ዝግበኦም ድርቂ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እንተዘይተሰሪሖም ፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻ ብዝለዓለ ደረጃ ክቕንስን ኣብ 2015/16 ምህርቲ ዘበን ኣጋጢሙና ዝነበረ ዓይነት ድርቂ ክኽሰት ስለዝኽእል ብርክት ዝበለ ሕ/ሰብ ንሕፅረት ምግቢ ይጋለፅ፣
ፍልፍላት ማይ ከርሰ ምድሪን ልዕሊ ምድሪን ቃላያት፣ ወሓዝቲ ሩባታትን፣ ግድባትን ካብቲ ልሙድ ክቕንስን ቀፃሊ ዓመት ዋሕዲ ቀረብ መስተ ማይ ሰብን እንስሳትን ከጋጥም ይኽእል፣
ኣብ ደቡብ፣ ደ/ ምብራቕ፣ ምብራቕን ኣብዘሓ ከባቢታት ማእኸላይ ዞባን ሽፋን ዓንዲ ዝራእቲ ትርጉም ብዘለዎ መጠን ይቕንስ፣
ብሰንኪ ሕፅረት ጠሊ ሓረስቶት ደጋጊምካ ንምዝራእ ስለዝግደዱ ሕፅረት ዘርኢ፣ ማዳበሪያን ጉልበትን የጋጥም፣
ምቁርራፅ ዝናብ ንባልዓትን ሕማማትን ዝራእቲ ክፍጠሩ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር ስለዝኾነ ወራር ባልዓት ክኽሰቱ ዕድል ይፈጥር፣
ምቁርራፅ ዝናብ ንባልዓትን ሕማማትን ዝራእቲ ክፍጠሩ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር ስለዝኾነ ወራር ባልዓት ክኽሰቱ ዕድል ይፈጥር፣
ካብ ደኒ፣ ናይ ሓባር መግሃጫ፣ ተረፈ ምህርቲን ካልኦት ስትራተጂታትን ዝለምዕ ቀለብ እንስሳ ክቕንስ፣ ሕፅረት ቀለብ እንስሳ ከጋጥም፣ ነዚ ስዒቦም ዝኽሰቱ ለበዳ ሕማማት እንስሳት ክለዓሉ፣ መፍረያይነት ሃ/እንስሳ ክቕንስ ይገብር፣
ፅሬትን ንፅህናን ስዒቦም ዝኽሰቱ ተላበድቲ ሕማማት ወዲሰብ ክኽሰቱ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ
ብሓፈሻ ኣብ ውሕስነት ምግቢ፣ ጥዕና ወዲሰብ፣ ቀረብ መስተ ማይ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መነባብሮ ሕብረተሰብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከስዕብ ዝኽእልስለዝኾነ ኩሉ ማሕበረሰብ፣ በቢብርኩ ዘሎ መንግስታዊ ኣመራርሓን በዓልሞያን፣ ገበርቲ ሰናይ ውድባት፣ ሰብሃፍቲ፣ ሲቨክ ውዳበታትን ነዚ ተተንቢዩ ዘሎ ሓደጋ ድርቂ ኣብ ምምካት ክረባረቡ፤
ብክልል፣ ብዞባ፣ ብወረዳን ጣብያን ብርኪ ነዚ ዝመርሕ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ብስሩዕ እናተገምገመ ክምራሕ ዝነጠበት ማይ ብኣግባቡ ብምሓዝ ናይ ጠሊ ምዕቃብ ስራሕቲ ምክያድ፣ ናይ ዘርኢ ምምራፅ ስራሕቲ /ሕፅረት ጠሊ ክቋቖሙ ዝክእሉ ዝራእቲ ምዝራእ፣ ዝተዋደደ ምልማዕ ቀለብ እንስሳ ከምኡውን ናይ መስኖ ስራሕቲ ምጥቃም ትኹረት ጌርካ ክስራሕ ኩሉ ርብርብ ክገብር ኣለዎ።
NB: ብሜትሮሎጂ ኤጀንሲ ኢ/ያ ትግራይ ቅርንጫፍን ብኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ትግራይን ዝተዳለወ እዩ።



Leave a Reply