ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢን ፒንግ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ንምዝታይ ናብ ቻይና ከምዝተጓዓዙ ተገሊፁ። ፑቲን ትማሊ ኣማስዮም ናብ ዋና ከተሜ ቻይና ዝኾነት ቤጂንግ ዝኣተው ኮይኖም፤ ሎሚ ረቡዕ ዕላዊ ናይ ዑደት መደባቶም ከምዘሳልጡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
ብመሰረት እዙይ ድማ ፑቲን ካብ ሎሚ ከረቡዕ ጀሚሮም ኣብ ጉዳያት ቁጠባን ካልኦት ዓለማም ለኻዊ ጉዳያትን ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢን ፒንግ ፅዑቓት ኣኼባታት ከምዘካይዱ እንዳተገለፀ እዩ።
እዙይ ከምዚ ኢሉ ከሎ ቻይና ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተቐቢላ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምዝታያ ዝዝከር እንትኾን፡ ሐዚ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ድማ ፑቲን ናብ ቻይና ተጓዒዞም ኣለው።
ከም ፀብፃብ መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ እንተኾይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ብምዝታይ ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ኣሎ ዝብልዎ ጣልቃ ምትእትታውን በይናዊ እገዳታትን ዝቃወም መርገፂ ክወስዱ ትፅቢት ይግበር።
መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ካብ ሩስያ ረኺበዮ ብምባል ከምዝፀብፀቦ ድማ ፑቲን ኣብ ቻይና ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ፕረዚደንት ቻይና ኣብ 40 ናይ ምትሕብባር ሰነዳት ከምዝፈራረሙን፤ ኣብ መወዳእታ ድማ 47 ገፅ ዘለዎ ኣብ ምጥንኻር ክልተኣዊ ጥምረት ዘተኮረ ሓበራዊ መግለፂ ክወሃብ ትፅቢት ከምዝግበር ሓቢሩ እዩ።
ክልቲአን ሓየልቲ ሃገራት ዓለምና ኣብ ቤትምኽሪ ፀጥታ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ንድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰል ዘለወን ሃገራት እንትኾና፡ ንነዊሕ እዋን ዝቐፀለ ጥንኩር ርክብን ፀረ ኣሜሪካ ቅዋማትን ዘሰጉማ ሃገራት ምዃነን ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ወራር ስዒቡ ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ፍርያት ኢነርጂ ሩስያ እገዳ ምግባረን ዝዝከር እንትኾን፤ ቻይና ድማ ንቁጠባ ሩስያ ንምድጋፍ ቀዳመይቲ ዓዳጊት ፍርያት ኢነርጂ ሩስያ ምዃና ዝዝከር እዩ። ቻይና ንሩስያ ፍርያት ኢነርጂ ካብ ምዕዳግ ብዝዘለለ እውን ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናካየደቶ ንዘላ ኲናት ድጋፍ ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበረት መፂኣ እያ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሩስያ ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ንክፍተት በጀት ተሳጢሓ ምህላዋ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ሚድያታት ካብ ወርሒ መስከረም ሒዞም እናፀብፀቡ ምምፀኦም ዞዝዝከር እንትኾን፤ ቻይና ተወሳኺ ምህርቲታት ኢነርጂ ካብ ቻይና ንምዕዳግ እትኽእለሉ መስመር መተሓላለፊ ንምህናፅ መረዳድኢ ውዕሊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ተፈራሪመን እየን።
ብሓፈሻ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ልዕሊ 75 ዓመታት ዝተሳገረ እንትኾን፤ ቀንዲ ነጥብታቶም ድማ ዓብላልነት ምዕራባውያን ንምክልኻል ዝዓለሙ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውድታት ማለት’ውን ኣብ ንግዲ፣ ፀጥታን ካልኦት ፖለቲካዊ ጉዳያትን ዝተስረቱ ስትራተጂካዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን። ነዚ ንምጥንኻር ድማ ከም ብሪክስ (BRICS)፣ ውድብ ሕቡራት መይግስታትን ትካል ምትሕብባር ሻንግሃይ (Shanghai Cooperation Organization) ኣብ ዝበሉ ትካላት ብዝህልወን ተሳትፎ ኣቢለን ተፅዕኖ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ጥምረት ምዕራቤውያን ንምክልኻል እናሰርሓ ዘለዋ ሃገራት እየን።
ሐዚ ድማ ፑቲን ድሕሪ መገሻ ትራምፕ ተኸታቲሎም ናብ ቻይና ተጓዒዞም ዘለው እንትኾን፤ ኣበ ብርክት ዝበሑ ዝርዝር ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ከመሓላልፉ ትፅቢት ይግበር።



Leave a Reply