ፕረዚደንት ሃገረ ኩባ ሚግየል ዲያዝ ካነል ኮሚኒስታዊ መንግስቶም ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ ዘንበረቶ እገዳ ንምፍታሕ ኣብ ዘተ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ካብ ሃገራት ሩስያን ቬንዝዮላን ናብ ኩባ ነዳዲን ፍልፍል ሓይሊ ዝኾኑ ነገራትን ዘጓዕዙ ትካላት እገዳ አመሓላሊፉ ምንባሩ ዝዝከር እንትኾን፤ ኣሜሪካ ምስ ኩባ ዝነበራ ርክባት እውን ሓርፉፋ ምኻኑ ዝፍለጥ እዩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ንዓመታት ኩባ ካብ ኮሚኒስታዊ ስርዓት ንክትላቐቕን እታ ሃገር ናብ ዲምክራሲያዊ ስርዓት ንክትሰጋገርን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ኮሚኒስታዊ ስርዓት ኩባ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት እናገበረት ዝመፅአት ምኻና ይዝከር። ኣካል እዚ ድማ ናብታ ሃገር ዝግበሩ ናይ ፅዕነት ትካላት እገዳታት ከሕዘመሓላለፈት እናተገለፀ ፀኒሑ እዩ።
ሐዚ ድማ ፕረዚደንት ኩባ ሚግየል ዲያዝ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኣፋላላይ ብዘተ ንምፍታሕ ዝዓለመ ድርድር ይካየድ ከምዘሎ ገሊፁ ክብል ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ ኣሎ። እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ ከምዝገለፆ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝገበር ዘሎ ዘተ ኣካል እቲ “ተኣፋፊ ከይዲ እዩ” ዝበለ ኮይኑ፤ ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ዝተሓላለኸ ፀገም ኢነርጂ እታ ሃገር ንልኣላውነት ክልቲአን ሃገራት ብዘኽበረ መልክዑ ከምዝዘተይሉ ገሊፁ እዩ።
እታ ሃገር ድሕሪ እቲ ብኣሜሪካ ዝተነበረላ እግድ መብዛሕትኡ ነዳዲኣ ካብ ቬንዝዌላ እናዓደገት ዝነበረት እንትኾን፤ ድሕሪ ኣሜሪካ ነፕረዚዳንት ቬንዝዌላ ዝነበረ ኒኮላስ ማድሮ ኣብ ቀይዲ ምውዓላ ግን ኩባ ነዳዲ ዘቕርበላ ኣካል ከምዝሰኣነት ተሓቢሩ እዩ። ድሕሪ ፕረዚደንት ማዱሮ ናብ ኩባ ነዳዲ እናቕረበት ዝነበረት ሃገረ ሜክሲኮ እውን ኣብ ፀቕጢ ብምእታዋ ምኽንያት ክተቋርፅ ከምዝተገደደት ፀብፃባት ይሕብሩ።
ኮሚኒስታዊ መንግስቲ ኩባ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ኣሜሪካ ይዛተ ምህላው ቅድሚ ምፍላጡ ድማ ካብ ናይ ብዙሓት ትፅቢት ወፃኢ ልዕሊ 150 እሱራት ብምሕረት ፈቲሑ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ መግለፂኡ ብዛዕባ ምስ ኣሜሪካ ዝተገበሩ ልዝባት ዝምልከት ብዝርዝር ዝገለፆ ነገር ከምዘየለ ፋይናንሻል ታይምስ ዝፀብፀበ ኮይኑ። ቅድም ክብል ግን ብዛዕባ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ዝርርብ ከምዘይገብር እናገለፀ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ።
ይኹን ድኣ እምበር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብኒኮላስ ማዱሮ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ቬንዝዌላ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ስዒቡ ኮሚኒስታዊ መንግስቲ ኩባ ንኣሜሪካ ዝምልከት ዝኽተሎ ቅዋሙ እናለሳለሰ ምምፅኡ ተዓዘብቲ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብግደኦም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ኩባ ኣብ ከቢድ ፀገም ኣትዩ ስለ ዘሎ ምስ እታ ሃገር ዘሎ ጉዳይ ሰላማዊ ፍታሕ ክግበረሉ ከምዘኽእል ገሊፁ ነይሩ እዩ። ትራምፕ ኣብቲ እዋን ወሲኹ ከምዝገለፆ ድማ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩብዮ ምስ ሰበ ስልጣን ኩባ ይዛተ ከምዘሎን ብሰላማዊ ኣገባብ ዕልባት ዝረኽበሉ ዕድል ከምዘሎ ገሊፆም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።



Leave a Reply