ኢራን ንስትራተጂካዊ መስመር ሆርሙዝ ምዕፃዋ ስዒቡ ሕፀረት ቀረብ ነዳዲን ናህሪ ዋጋን ክስዕብ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።
እስራኤልን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝጀመርኦ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኢራን ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣቢላ ንመስመር ሆርሙዝ ዝዓፀወቶ እንትኾን ነዚ መስመር ንምኽፋት ዝተንቀሳቐሳ 3ተ መርከባት ኣሜሪካ እውን ከምዘተዓናቐፈተንን ዛጊድ ነዚ መስመር ንምኽፋት ዝግበሩ ፈተናታት ኣሜሪካ ከምዘይተሳኽዑ እናተገለፀ እዩ።
ስፍሓት መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ኣስታት 30 ኪ.ሜ ዝኸውን እንትኾን ኣብ ሰሜናዊ ኢራን ፣ ደቡባዊ ኦማንን ሰሜን ምዕራባዊ ኢመራት ዓረብ (UAE) ዝርከብ ኮይኑ ካብ 20% ከሳብ 30% ሚኢታዊ ቀረብ ነዳዲን ጋዝን ዓለምና ዝሓለፈሉን ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ከምዝሕብርዎ ድማ ኣብ መዓልቲ ብማእኸላይ ኣስታት 17 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ዝመላለሰሉ ስትራተጂካዊ መስመር ንግዲ ዓለምና ከምዝኾነ ዝንገረሉ መስመር እዩ።
ብዚ ስትራተጂካዊ መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ዝበዝሐ ፍርያተን ዝሸጣሉን ከም ጎረረአን ዝቖፅሮአን ሃገራት ድማ ንባዕላ ኢራን ሓዊሱ ፣ ኦማን፣ ኢመራት ዓረብ (UAE)፣ ባህሬይን፣ ኲዌት፣ ኳታርን ስዑዲ ዓረብን ይርከብኦ።
ስዑዲ ዓረብ ኣስታት 60% ናይ ነዳዲ ምህርታ እትሸጠሉ መስመር እንትኾን ሃገራት ኩዌትን ኳታርን ድማ ልዕሊ 90% ሚኢታዊ ምህርተን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ፍርያት ነዳዲአን ዝሸጣሉ መስመር እዩ።
ብመዳይ ዕድጊት እንትንርኢ ድማ ካብ ዓለምና በዝሒ ነዳዲ ብምዕዳግ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትፅራሕ ህንዲ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን ነዳዲ ብዚ መስመር እዚ ካብ ዝዕድጋ ሃገራት ሓንቲ እንትትኾን ብሓፈሻ ድማ ካብ 80-85% ሚኢታዊ እትዕድጎ ነዳዲ ብዚ መስመር ከምዝኾነት ምንቅስቓስ ዕዳጋ ሃገራት ዓለም መሰረት ገይሮም ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ዘቕርቡ ከም እን Money control ከምኡ’ውን ፋይናንሻል ታይምስ ዝበሉ መርበብ ሓበሬታታት የመላኽቱ።
ብዚ መሰረት ድማ ብምዕፃው እዚ መስመር ካብተን ዝያዳ ተሃሰይቲ ዝኾና ዓደግቲ ሃገራት ሃገረ ህንዲ ኣብ ቅድሚት ክትፅራሕ ይገብራ። ካብዚ ቀፂላ በቀረብ ነዳዲ ክትህሰ ከምእትኽእል እናተነገረላ ዘሎ ሃገር ድማ ኣብ ዓለምና እታ ዝበዝሐ ነዳዲ እትዕደግ ሃገረ ቻይና እንትኾን ፤ ቻይና ኣብ መዓልቲ ኣስታት 10 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ዝትዕድግ እንትኾን ካብዚ መጠን እቲ ኣስታት 40% ብመስመር ሆርሙዝ ከምእትዕድጎ መፅናዕትታት ይሕብሩ።
ቻይና ካብ ሃገራት ራሽያ ፣ ኣፍሪካን ላቲን ኣሜሪካን እውን እትዕድግ እንትትኾን ይኹን’በር እቲ ዝበዝሐ መጠን ነዳዲን ዘይትን ብመስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ እትዕድጎ እዩ ብዚ ድማ ዕፅዋ መስመር ሆርሙዝ እንድሕር ቀልጢፉ ፍታሕ ዘይረክብ ኮይኑ ቻይና እውን ካብ ህንዲ ቀፂላ ንሕፅረት በረብ ነዳዲ ክትቃላዕ ከምእትኽእል መፅናዕትታት ካብ ብሐዚኦም ግምታቶም እናገለፁ እዮም።
ካብዚ ቀፂላ ሳልሰይቲ ብምዕፃው መስመር ሆርሙዝ ክትህሰ እትኽእል ሃገር ድመ ጃፓን እንትኾን፤ ጃፓን ልዕሊ 90% ሚኢታዊ ነዳዲ ካብ ደገ ብምዕዳግ ዝትንሳቐስ ሃገር ከምዝኾነት መፅናዕትታት ዕዳጋ ዘመላኽቱ ኮይኖም ካብዚ መጠን ድማ ኣስታት 70% ነዳዲ ብመስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ከምእትዕድጎ ይግለፅ። ብዚ ድማ ጃፓን እውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ውሕስና መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ቁልፊ ሙኻኑ ምርዳእ ይከኣል።
ካልአይቲ ምስ ምዕፃው መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ተትሓሒዙ ክትህሰ ካብ እትኽእል ሃገር እውን ሃገረ ፓኪስታን እንትኾን ፓኪስታን ልዕሊ 90% ነዳዲኣ ብዚ መስመር ዝተእቱ እንትኾን ምናልባት ግን ፓኪስታን ካብዚ መጠን ኣስታት 40% ዝኸውን ካብ ኢራን እትዕድጎ ብሙዃኑ ዝሐሸ ዕድል ክህልዋ ከምዝኽእል እናተገለፀ እዩ።
ፍርያተን ዝሸጣሉ መስመር ብምስኣን ክህሰያ ዝኽእላ ዓድታት እንትንርኢ ድማ ሱዕዲ ዓረብ ሓንቲ እንትትኾን ፤ ስዑዲ ዓረብ ካብ 80-90% ፍርያታ ናብ ዓለም ዕዳጋ እተቕርበሉ መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ኣስታት 10% ሚኢታዊ ድማ መስመር ቀይሕ ባሕሪ እንትኾን እዚ መስመር እውን ብሓይልታት የመን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተዓፀወ እናተገለፀ ዘሎ ብሙኻኑ ፍርያታ ናብተን ካልኦት ሃገራት ዓለም እተቕርበሉ መስመር ብምስኣና ብኽንያት ኣብ ሓፂር ግዘ ዝፍትሐሉ ዕድል እንድሕር ዘይሃልዩ ከቢድ ሃሰያ ክበፅሓ ከምዝኽእል እናተገለፀ እዩ።
ካልአይቲ ድማ ኣስታት 75% ሚኢታዊ ፍርያታ ብመስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ኣብሊ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝተቕርብ ሃገረ ኢመራት ዓረብ (UAE) እንትኾን ፤ ከምን ሃገራት ጣልያን፣ ጀረመን ፈረንሳይ ዝበላ ሃገራት ኣውሮፓ እውን ካብ ፅልዋ ምዕፃው መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ከምዘየምልጣ እናተሓበረ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዕፅዋ መስመር ሆርሙዝ መፍትሒ እንድሕር ዘይረክብ ኮይኑ ዋጋ ሓደ በርሚል ክሳብ 150$ ክበፅሕ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ተንትንቲ ቁጠባ ግምታቶም እናቐመጡ እዮም።
እምበኣርከስ ጉዳይ ማእኸላይ ምብራቕ መዋዳእትኡ እንታይ ክኾን ይኽእል ክሳብ መዓዝ ነዚ ጎሮሮ ሃገራት ዓለም ዝኾነ መስመር ወሽመጥ ሆርሙዝ ዓፅያ ክትፀንሕ እትኽእል መዕለቢ ኦፖረሽን ኣሜሪካን እስራኤልን ስ መዓዝን እንታይ እንተዕውትን ይዛዘም ይኾን? ኢራን ከ ክሳብ መዓዝ ንጣምራዊ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣሜሪካን ክትፃወር ትኽእል ዝብሉ ናይ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ሕቶ ኮይኑ እናቐፀለ እዩ።
ድሕሪ ዳግማይ ምምፃእ ትራምፕ ኣካይድኣን ንዓለም ለኸ መስርሓት ዝነበራ ኣረኣእያን 100% ብ100% ዝቐየረ ኣካይዳ ኣሜሪካስ መወዳእትኡ እንታይ ይኾን? ድሕሪ እዚስ ኣሰላልፋ ሓየልቲ ሃገራት ዓለም እንታይ ዓይነት ቅርፂ ክሕዝ ይኾን ዝብል እውን ግዜ ዝምልሶ ሕቶ እዩ።



Leave a Reply