ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝተለቀሐቶ መጠን ገንዘብ ልዕሊ 2.56 ትሪልዮን ብር ከምዝበፅሐ ተገሊፁ ።

ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝተለቀሐቶ መጠን ገንዘብ ልዕሊ 2.56 ትሪልዮን ብር ከምዝበፅሐ ተገሊፁ ። መንግስቲ ናይ ግምጃ ቤት ሰነዳት ማለት እውን መሸጣ (T-Bils) ብምጥቃም ገንዘብ ዋላ እኳ እንተኣከብ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ ግን ናይ ነዋሕቲ ግዜ ልቓሓት ብምጥንቃቕ ኣብ ንሓፀር ግዜ ኣብ ዝሽየጡ ሰነዳት ጥራሕ ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

ሚኒስተሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ ከምዝገለፆ ድማ ኣብ መስከረም 2025 ኣ.ፈ ጥራሕ መንግስቲ ክልተ ጨረታ ብምክያድ 53.35 ቢልዮን ብር ምእካብ ዋላ እኳ እንተኽኣለ ግን ድማ እዚ ከይዲ ኣብ ናይ 28 መዓልትን 91 መዓልትን ሰነዳት ጥራሕ ዘተኮረ ከምዝነበረን ኣብ ናይ 364 መዓልቲታት ሰነዳት ግን ተሳታፊ ዘይረኸቡን ዝተገደቡን ከምዝነበሩ ኣፍሊጡ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ክሳብ ፍርቂ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ ኣብ ናይ 28ን 91 መዓልቲ ሰነዳት ማለት እውን ኣብ ናይ ሓፂር ግዜ ሰነዳት ናይ ትርፊ መጠን እናቐነሰ ዝኸደ እንትኾን ኣብ ናይ 364 መዓልትታት ናይ ትርፊ መጠን ግን ካብ 15% ናብ 20% ዝወሰኸሉ ከነታት ዋላ እኳ እንተነበረ ይኹን እምበር ሰብ ሃፍቲ ኣብዚ ናይ ነዊሕ እዋን ሰነዳት ካብ ምስታፍ ከምዝተቖጠቡ እዩ እናተገለፀ ዝርከብ።

ካብ ጠቕላላ ናይ ውሽጢ ዓዲ ልቓሕ ዝለዓለ ብፅሒት ካብ ዝሓዙ ትካላት ድማ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 43 ሚኢታዊ ፣ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 26.3 ሚኢታዊ ፣ ናይ ጡረታ ፈንድ 19.3 ሚኢታዊ ዝሕዙ ኮይኖም ኣብ ቀፃሊ ርብዒ ዓመት ድማ ሚኒስትሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ 243.05 ቢልዮን ብር ዘውፅኡ ሰነዳት ግምጃ ቤት ናብ ዕዳጋ ከምዘውፅእ ገሊፁ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading