ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮም ንኣሜሪካዊ ካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ርዕሰ – ሊቃነ ጳጳሳት ገይራ ከም ዝሰየመቶም ኣፍሊጣ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮም ንኣሜሪካዊ ካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ርዕሰ – ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ከም ዝተሰየሙ ተገሊፁ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮም ሕልፈተ ህይወት ነበር ሊቀ-ጳጳስ ፖፕ ፍራንሲስ ስዒቡ ንካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዎ 14 ገይራ ከም ዝሰየመቶም ተገሊፁ።

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 1.4 ቢልዮን ስዓብቲ ከምዘለውዋ ዝንገረላ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሮም ንወዲ 69 ዓመት ዝኾኑ ኣሜሪካዊ ካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ሓዱሽ ሊቀ-ጳጳስ ገይራ ከምዝመረፀት ተገሊፁ።

ካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ድሕሪ ምምራፆም ኣብ ቫቲካን ጴጥሮስ ኣደባባይ ንዝተኣከቡ ምእመናን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልአኽቲ “ሰላም ምሳኹም ይኹን” ዝበሉ እንትኾን ንመዋቲ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳስ ፖፕ ፍራንሲስ ብምምስጋን ፖፕ ፍራንሲስ ንህዝቦም ከምዝገበርዎ ንሶም እውን ንስዓብቲ ክባርኹ ከምዝደልዩ ብምግላፅ ባርኸቶም ሂቦም።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading