ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ መዕርፎ ነፈርቲ ትማሊ ደብዳብ ነፈርቲ እንትተካይድድ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ምንባሮም ገሊፆም። ዶ.ር ቴድሮስ እቲ ደብዳብ እንትትፍፀም ምስ ካልኦት መሳርሕቶም ናብ ኣውሮፕላን ንምእታው ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ከምዝነበረ ሓቢሮም።
ዶ.ር ቴድሮስ ኣብ “X” ገፆም ከምዝገለፅዎ ናብ የመን ዝተጓዓዝሉ ምኽንያት ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ንምፍታሕ ንምድርዳርን ኩነታት ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ንምዕዛብን ከምዝነበረ ኣፍሊጦም። ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ነፋሪትና ቆሲሉ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ፣ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ እውን ሓቢሮም።
ዶክተር ቴድሮስ ” ካብ ሰንዓ ንምብጋስ ናብ ነፋሪትና ክንስቀል ኣብ ዝተቐረብናሉ እዋን ቅድሚ ክልተ ሰዓት ኣቢሉ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ትሕቲ ፅዑቕ ደብዳብ ነፋሪት ወዲቑ” ብምባል ነቲ ኩነታት ገሊጾሞ።
“እቲ ደብዳብ ዝተፈፀመሉ ህንፃ መቆጻጸሪ ትራፊክ ኣየር ካብቲ ዝነበርናዮ መበገሲ መፅንሒ ሳሎን ቁሩብ ሜትሮታት ራሕቂ ከም ዝነበሮ ዝገለፁ ዶክተር ቴድሮስ ፤ መውረዲ ነፈርቲ በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ከምተበላሸወ ገሊፆም ።
ሕዚ እውን ኣብ የመን ከምዘለው ዝሓበሩ ዶክተር ቴድሮስ ቅድሚ ምብጋስና ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝወረደ ጉድኣት ክፅገን ክንፅበ ተገዲድና ኣለና ኢሎም ።
” ኣነን መሳርሕተይን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካል ጥዕና ዓለምን ደሓን ኣለና ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ፣ ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ሂወቶም ዝሰኣኑ ስድራ ልባዊ ፅንዓት ይሃብኩም ክንብል ንፈቱ ኢሎም ።
ነዚ ስዒቡ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ግጭት እስራኤልን የመንን እናሓየለ ምምፅኡ ኣብቲ ዞባ ተወሳኺ ውጥረት ከምዝፈጥር ብምጥቃስ ነቲ ኹነታት ” ብጣዕሚ ኣተሓሳሳቢ ” ክብሉ ገሊፀሞ። ኢራን ብወገና ነቲ ብእስራኤል ዝተፈፀመ ደብዳብ “ዓለም ለኸ ሰላምን ድሕንነትን ብግልፂ ዝጠሓሰ እዩ ክትብል ተቛውሞኣ ገሊፃ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ድማ ዕጡቓት ሁቲ ዝርከብሎም ኣብ ዝበሉዎምን ካብ ናይ ስለያ ኣባላቶም ብዝረኸብዎ ሓበሬታ ዝፈለይዎም ወታሃድራዊ ዒላማታት ዕውት ደብዳብ ከምዘካየደ ሓቢሩ።



Leave a Reply