ምፍፃም ዲዲር ዘላቒ ስላም ብዝፈጥርን ውሕስና ትግራይ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ ኢሎም ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ።
ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝገልጹ ሎሚ ኣብ ዝተጀመረ ዕላዊ ምጅማር ስነ ስርዓት ፕሮግራም ዲሞቢላዜሽንን እግሪ ምትካልን እዩ እቲ ዝተጀመረ ከይዲ ዶንግዩ እምበር ዘደናግጽ ነገር የብሉን ክብሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቦም።
ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ እንተዘይመሊስናዮን ምፍፃም ዲዲኣር ትርጉም የብሉን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምምላስ ተመዛበልትን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክኽበርን ፍሉይ ትኹረት ይጠልብ ኢሎም፣ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ትኹረት ክህበሉ ኣተሓሳሲቦም ።
ሕዚ ዝውሃብ ዘሎ ገንዘብ እግሪ ንምትካል እኹል ኣይኮነን እቲ ዝተጀመረ ከይዲ ዲዲኣር ዝበረታታዕ እዩ እግሪ ምትካል ተሰናበቲ ኣባላት ሰራዊት ኣካል ዳግመ ሕወየት ትግራይ ንምግባር ጎና ጎኒ ክስራሕ ይግባእ ድማ ኢሎም ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ኮሚሽነር ተመስገን ጥላሁን ብሄራዊ ተሃድሶ ኮሚሽን እቲ ኮሚሽን ዝሰርሖም ሰራሕቲ ሪፓርት ኣቕሪቦም እዮም ኮሚሽነር ተመስገን ጥላሁን ለገስቲ ኣካላት ድማ ድጋፍም ከጠናኽሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም ።
ብተወሳኺ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ድጅታል ምዝገባን ዳግመ ፅንበራን ተመለስቲ ሰራዊት ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ”ንዝመፅእ ወለዶ ሰላም እምበር ኲናትን ህውከትን ከይነውርስ ሓቢርና ንስራሕ” ኢሎም ።
እቲ ዝግበር ዘሎ ትግበራ ዲሞቢላዜሽን ንሰላም በሪ ዝኸፍት እዩ እውን ኢሎም። ኩላትና ድማ እቲ ውዕል ስምምዕነት ሰላም ክትግበር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካ ሜ/ጀ ስቴቬን ዳሪክ ምስዚ ዲሞቢላዜሽን ተታሒዙ ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ክስራሕ እዩ ኢሎም ።ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ዲሞቢላዜሽን ንመላእ ሰላም ኢትዮጵያ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ብመግላጽ ጎና ጎኒ እዚ ተግባር ደማ ውዕሊ ፕሪቶርያ መሊኡ ንክትግበር ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ሜ/ጀ ስቴቬን ዳሪክ።
ተወካሊት ሕብረት ኣውሮፓ ሶፌ ፍሮምከ ኣምንስበርገር ድማ ”ንሕና ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን ሓገዝና ክነጠናኽር ኢና ”ኢለን ። ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኲናት ዝነበሩ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሲቪላዊ ሂወቶም ክምለሱን ናብርኦም ከማሓይሹን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሓቢረን።
ተወካሊ ተሰናበቲ ተጋደልቲ ኮይኑ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸበ ተጋዳላይ ነጋሽ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ግፍዕን በደል ንምምካት እዩ ተገዲዱ ናብ ኩናት ኣትዩ ተቓሊሱ ዝበለ እንትኾን ሕዚ ሰላም ንክፍጠር ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዋላ ፅቡቕ ይኹን ሰላም ክመፅእ ግን ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ክምለስ ይግባእ ኢሉ።
ብተወሳኺ ምፍፃም ዲዲኣር ዝጀመር ዘሎ ግዝኣት ትግራይ ኣይተረጋገፅን ዝተመዛበለ ህዝብና እውን ናብ መረበቱ ኣብ ዘይተመለሰሉ ብምዃኑ ዝምልከቶም ኣካላት ትኹረት ሂቦም ክሰርሑሉ ይግባእ ኢሉ። ህዝቢ ናብ መረበቱ ይመለስ፣ ስላም ዘይደልይ የለን ግን ስላም ክመፅእ ግን ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ክምለስ ይግባእ ኢሉ ተወካሊ ተሰናበቲ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ነጋሽ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምጅማር ፕሮግራም ዲሞቢላዜሽንን እግሪ ምትካልን ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ፣ሕብረት ኣውሮፓን ለገስቲ ሃገራትን ከምኡ እውን ተወካሊ UNDP ተረኺቦም እዮም ዕላዊ ምጅማር ስነ ስርዓት ፕሮግራም ዲሞቢላዜሽንን እግሪ ምትካልን እናተኻየደ ይርከብ ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምጅማር ፕሮግራም ዲሞቢላይዜሽንን እግሪ ምትካልን ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብሚንስትር ሜኒስቴር ውፃኢ ጉዳያት ዶ/ር ጌድዮን ጢሞትዎስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ፌድራል ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊትን መንግስትን ትግራይ ተረኺቦም ከይዲ እቲ ኣፈፃፅማ ተዓዚቦም ኣለው ።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ህልወና ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ናብ መኸተ ተፀንቢሩም ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብመሰረት ወዕሊ ፕሪቶርያ ዝተጀመረ ከይዲ ዲሞቢላይዜሽንን ዳግመ ፅንበራን ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ምዝገባን ስልጠናን እናቐጸለ እዩ ።
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብዕሊ ዝተጀመረ ምፍፃም ዲዲር ሎሚ ንኣባላት ሰራዊት ትግራይ ምዝግባ፣ ምእታው ናብ ስልጠና ማእኸላት ከምኡ እውን ከይዲ እግሪ ምትካል ከምዝተጀመረ ካብ ደምጺ ወያነ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።



Leave a Reply