ኣብ ትግራይ መረፃ ንምክያድ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተደጋጋሚ ሕቶታት ዋላ እንተቕረብና መልሲ ክንረክብ ኣይከኣልናን ክብል ሃገራዊ ቦርድ መረፅ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ ዓመት ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም ክኸውን ወሲኑ።
እቲ ቦርድ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ 7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ናይ ግድን ክካየድ እዩ ክብል ኣፍሊጡ ኣሎ.።
ኣደ መንበር እቲ ቦርድ ወ/ሮ መላተወርቅ ሃይሉ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዙሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ብምጥቃስ፣ ንምዝገባ ውድባትን ነፃ ሕፁያትን መርፅትን ዝሕግዝ ዲጂታላዊ ስርዓት ከምዝተጣየሸ ኣፍሊጠን።
እቲ ቦርድ ውድባት ፖለቲካ ካብ 8 ሕዳር ክሳብ 23 ሕዳር 2018 ናይ ምዝገባ ሰነዳተን ከቕርባ ከምዝሓተተን ብተወሳኺ ምዝገባ ሕጹያት ካብ 1 ታሕሳስ ክሳብ 1 ጥሪ 2018 ከምዝካየድ ኣብሪሀን።
ምልመላ ኣካየድቲ ኣብያተ ፅሕፈት መረፃ ክልላት ይካየድ ከምዘሎን ኣብዚ ሕዚ እዋን 131 ሽሕ ኣመልከትቲ ብፅሑፍን ኣፋውን ፈተና ይወስዱ ከምዘለዉ ሓቢረን።
እቲ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ሃዋህው ምህላዉ ዝገለፃ እተን ኣዶ ወንበር እቲ ቦርድ ውድባት ከም ድላዮም ይንቀሳቐሱ ድዮም ኣይንቀሳቐሱን ንምፍላጥ በብመዓልቱ ይሰርሕ ምህላዉ ኣስሚረናሉ ።
ከም በዓል ወልቃይት ዝኣመሰሉ ጠለባት ዝለዓሉሉ ከባቢታት እንታይ ትልሚ ተታሒዙ ከምዘሎ ብጋዜጠኛታት ምስተሓተታ ኣብ ዝሃበኦ ምላሽ፣ “ክሳብ ሕጂ ምልላይ ኩሎም መረፃ ክልላትን ናቑጣታት መረፃን ኣይወዳእናን።” እቲ መስርሕ ምስተዛዘመ ክግለጽ እዩ ክብላ ተዛሪበን።
ብዛዕባ ተሳትፎ ህወሓት ኣብ ናይ ሎሚ መረፃ ኣብ ዝሃብኦ መልሲ ድማ እቲ ቦርድ ምስራዝ እቲ ውድብ ይፈልጥ እዩ ነዚ ብዝምልከት ምስ ህወሓት ዝተገበረ ዘተ ከምዘየለ”ገሊፀን።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ንዝቐረበለን ሕቶ እዚ “ፖለቲካዊ ጉዳይ ስለዝኾነ ብፖለቲከኛታት ዝፍታሕ እዩ” ክብላ ተዛሪበን።
ኣብ ትግራይ መረፃ ክካየድ ድዩ ኣይካየድን ንዝብል ሕቶ እንትምልሳ ድማ እወ ኣብ ትግራይ መረፃ ንምክያድ ንግዝያዊ ምምሕዳር ተደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና ግን ዛጊድ ምላሽ ኣይተወሃበናን ክብላ ገሊፀን።



Leave a Reply