መንግስቲ ፌደራል መነባብሮ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምምሕያሽ ኢሉ ወሰክ መሃያ ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ።
በቲ ዝተገበረ ሓድሽ ምምሕያሽ ወሰክ መሃያ መሰረት ብፌደራል ዝውሃብ ድጎማ(እቲ ዝውስክ ገንዘብ ብሓፈሻ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ) ናብ ኩለን ክልላት ብግዚኡ ዝተልኣከ እንትከውን ናብ ትግራይ ግና ተወስክኩም ዝብል ደብዳቤ ወረቐት እምበር ጥረ ገንዘብ ምኽልካሉ ንብዙሓት ኣቖጢዑ ከምዝፀንሐ ዝፍለጥ እየ ።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ገሊኦም ብሓድሽ መሃያ ገሊኦም ብነባር ምሃያ ከምዝተኸፈሉ ድማ ዝፍለጥ እዩ ።
እቲ ዝተከፈለ ቅርሺ ካብ ናይ ውሽጢ ኣታዊ በጀት እምበር ካብ መንግስቲ ፌደራል ዝተልኣከ ኣይኮነን።
ዛጊድ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከምዘመላኸቶ ድማ መንግስቲ ፌደራል ድጎማ በጀት ሓዱሽ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ከምዝለኣኸ ተፈሊጡ ኣሎ ።
መብዛሕትኡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ እንተውሓደ በቢ ወርሑ ኣብ ከባቢ 24 ወርሓዊ መሃይኡ ዝኽፈል ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ናይ ሎሚ ወርሒ ሕዳር ግና እቲ ዝክፈለሉ መዓልታት ዋላ እንተሓለፈ ንክክፈል ናብ ወረዳታት ከምዝተለኣኸ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ይኹን እንበር እቲ ካብ መንግስቲ ፌደራል ዝተለኣኸ ገንዘብ ካብቲ ዝመፅእ ዝነበረ በጀት ሲሶ ኮይኑ ዝተረፈ ካብ ናይ ውሽጢ ኣታዊ ተወሲኹ ክኽፈል ዝተለኣኸ እዩ።



Leave a Reply