ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ብዓል ሕዳር ፅዮን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክርከቡ ትፅቢት ከምዝግበር ቤት ፅሕፈት ባህልን ትሪዝምን ከተማ ኣክሱም ገሊፁ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ብዓል ሕዳር ፅዮን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክርከቡ ትፅቢት ከምዝግበር ቤት ፅሕፈት ባህልን ትሪዝምን ከተማ ኣክሱም ገሊፁ።


በቢዓመቱ ብዝለዓለ ድምቀት ኣብ ከተማ ኣኹሱም ዝኽበር ብዓል ማርያም ፅዮን ካብ መላእ ዓለም ብዝመፁ ቱሪስት ዝርከብሉ እንትኾን፡ ኣብዚ ዓመት እውን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣጋይሽ ነዚ ብዓል ንምኽባር ናብ ከተማ ኣክሱም ክጓዓዙ ትፅቢት ከምዝግበር ሓላፊ ቤትፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣክሱም ኣይተ ገብረመድህን ፍፁምብርሃን ንኣዲስ ማለዳ ገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝም ከተማ ኣክሱም ወሲኹ ከምዝገለፆ ነዚ በዓል ከኽብሩ ንዝመፁ ኣጋይሽ ንምቕባል ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ምድላዋት እናገበረ ምፅንሑ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ነዚ ዘተሓባብሩ ኮሚቴታት ተጣይሾም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጡ ከምዝርከቡ እውን ጠቒሶም እዮም።

በዓል ሕዳር ፅዮን ኣኩሱም ንምኽባር ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ካብ ወፃኢ ሃገራት እውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣጋይሽ ዝመፅኡ ዜጋታት ከምዘለው ዝተገለፀ እንትኾን ፡ ካብ 17 ክሳብ 18 ሕዳር 2018 ዓ/ም ልዕሊ 12 ባሳት ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣምሓራ ኣጋይሽ ሒዘን ናብ ከተማ ኣክሱም ከምዝኣተዋ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ካብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ እውን ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ክመፁ ትፅቢት ከምዝገብሩ ኣረዲኦም እዮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሆቴላትን ኣብታ ከተማ ዘለው ቤት-ትምህርትታት ንመዕረፊ ኣጋይሽ ክኾኑ ተዳልዮም ከምዘለው ዝተሓበረ ኮይኑ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ናብ ኣክሱም ዝገበሮ በረራ ኣብ መዓልቲ ናብ 8 ግዘ ወሲኽዎ ከምዝርከብ ተመላኺቱ ኣሎ። ኩነታት ፀጥታ ብዝምልከት እውን ዋላ እኳ ካብ ቀደሙ እውን ዘሰግእ ነገር ዘየለ እንተኾነ በዓል ሕዳር ፅዮን ብሰላም ንክዛዘም ዝተጠናኸረ ሓለዋ እናገበረ ከምዝርከብ ተመላኺቱ እዩ።

ቢሮ ትራንስፖርት ክልል ትግራይ ብግድኡ ምስ በዓል ሕዳር ፅዮን ተኣሳሲሩ ፀገም መጓዓዝያ ከየጋጥም ብጥብቂ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ቢሮ ትራንስፖርት ክልል ትግራይ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 23 ሕዳር 2018 ዓ/ም ግልጋሎት ኩንትራተት ተሽከርከርቲ ከምዝኸልከለ ምኽትል ቢሮ ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ክልል ትግራይ ን ድ.ወ.ት ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣጋይሽ ብዓል ሕዳር ፅዮን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ናብ ከተማ ኣክሱም ከምዝተጓዓዙ ይዝከር።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading