ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ ይርከቡ። እቶም ተመዛበልቲ ካብ ሎምዓንቲ ጀሚሩ ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ሮማናት ኣደባባይን ኣብ ጄኔቫ ሃገረ ስዊዘርላንድ ተመዛበልቲ ብዛዕባ ዘለውዎ ኩነታት ግንዛበ ንምፍጣርን ብህፁፅ ቅድሚ ክረምቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ፃውዒት ንምግባርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣዳላዊ እቲ ሰልፊ ዝኾነ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ገሊፁ።
ምክትል ኣቦ መንበር ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝኾኑ ዶ/ር ሙዕዝ በርሀ ከምዝገለፅዎ ጉዳይ ተመዛበልቲ ወገናት ጉዳይ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ድምፂ እዚ ውፁዕ ህዝቢ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም።
እዚ ሰልፊ ካብ ሎሚ 11 ክሳብ 13 ሰነ 2017 ዓ/ም ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልትታት “ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ኣይንኸርምን” ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ህፁፅ ፍታሕ ዝሓትት ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝካየድ ተገሊፁ እዩ።
እቶም ተመዛበላቲ በብ መዓልቱ ብሕማምን ጥምየትን ይሞቱ ከምዘለው ዝገለፁ እንትኾን ሐዚ ካብዚ ንላዕሊ ክንፃወር ኣይንኽእልን “ኣብ መረበትና ሓሪስና ክንበልዕ ብህፁፅ ናብ መረበትና መልሱ” ክብሉ ፀዊዖም እዮም።
▶ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ይውፃእ!
▶ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ይከበር!
▶ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ የብቕዕ!
▶ ሬሳታት እናቖፀርና ኣይንነብርን የብቕዕ!
▶ይኣክል ድምፂ ተመዛበልቲ ይሰማዕ!
▶ይኣክል 5ይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ!
▶ብ ዓድና ንምለሰሉ ግዳይ መደራደሪ ኣይከውንን ! ዝብሉን ካልኦትን ዝርከብዎም ጭርሖታት እቶም ሰልፈኛታት እዮም።



Leave a Reply