ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘላቂ ሰላምን ዘተኣማምን ድሕንነትን ከረጋግፅ ስለዘይኽእል ንኹሎም ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ነዚ ዝገለፁ ትማሊ 03 ጉንበት 2017 ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምስ ዘለው ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ኣብ ዘካይድዎ መድረኽ ዘተ እዩ።
ብናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘላቂ ሰላምን ዘተኣማምን ድሕንነትን ትግራይ ንምርግጋፅ ከምዘይከኣል ዝሓበሩ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፤ ንኹሎም ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን ኣገባብ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ሓቢሮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ነንርእስና እናተሓላለኽናን እናተወጣጠርናን ክንከይድ ኣብ ዘይንኽእለሉ ብርኪ በፂሕና ኢና ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ፤ እቲ ዘለና እንኮ ዕድል ተደጋጊፍናን ተሓጋግዝናን ውሽጣዊ ፀገማትና ምፍታሕ ምዃኑ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ዝኾነ ዓይነት ደጋዊ ርክብ ብመንግስቲ ዝምእኸል፣ ፋይድኡ ዝምዘንን ስትራቴጂ ዘለዎን ክኸውን ከምዝግባእ ብምግላፅ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝጠፍኣና ኩሉ ዘኽብሮ #ማእኸል ግድን ክህልወና ክንገብር ኣለና ኢሎም።
ብሓፈሻ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ነባሪ ሰላምን ዘላቂ ፍታሕን ክረጋገፅ ዝኽእል ብሰላማዊን ፖለቲካዊን ጥራሕ ምዃኑ ከምዝተገለፀ ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ፀብፂቡ።



Leave a Reply