ግብፅን ጁቡቲን ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ብሕታዊ ሓላፍነት መዳውውቲ እቲ ባሕሪ ናይ ዝኾና ሃገራት ጥራሕ ምዃኑ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሐን ገሊፀን።

ግብፅን ጁቡቲን ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ብሕታዊ ሓላፍነት መዳውውቲ እቲ ባሕሪ ናይ ዝኾና ሃገራት ጥራሕ ምዃኑ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሐን ገሊፀን። ክልቲኤን ሃገራት ምምሕዳራዊ ሓላፍነት ባሕርታት ኤደንን ቀይሕ ባሕርን ናይ ገማግማት እቶም ባሕርታት ዘዋስና ሃገራት ከምዝኾነ ኣብ ምርድዳእ ምብፅሐን ፕረዚዳንት ሃገረ ግብፂ ኣብደልፋታሕ ኣልሲሲ ተዛሪቦም ክብል ቢቢሲ ፀብጺቡ።

ፕረዚዳንት ኣልሲሲ ትማሊ ሮቡዕ 15/2027 ዓ/ም ንዕላዊ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ሰራሕ ዑደት ናብ ጁብቲ ተጓዒዞም ከምዝነበሩ ቢቢሲ ዝፀብፀበ እንትኾን ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ወቅታዊ ዞባዊ ኩነታት ምስ ፕረዚደንት ጁቡቲ ኢስማዔል ዑመር ጊሌ ተራኺቦም ከምዘዘተዩ ተገሊፁ።

ከም ፀብፃብ ቢቢሲ ዘተ ክሊቲኦም መራሕቲ ብዋናነት ኣብ ብዛዕባ ሶማሊያን ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ፣ ኣብ ጉዳይ ባሕሪ ኤደንን ቀይሕ ባሕርን ከምኡ እውን ብዛዕባ ወሽመጥ ባሕሪ ባብልመንዳብ ቱኽረት ገይሮም ከምዝተዛተዩ የመላኽት። ወሽመጥ ባሕሪ ባብልመንዳብ ንጁብቲ ፣ ኤርትራን የመንን ዘራኽብ ስትራተጂካዊ መስመር ሙዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

ፕረዚዳንት ኢስማኤል ዑመር ጊሌ ከምዝገለፅዎ ናይ ዓለም ለኸ ንግዲ ወሳኒ መተሓላለፊ መስመር ኣብ ዝኾነ ቀይሕ ባሕሪ ነፃ ናይ ባሕሪ ንግዲ ምንቅስቓስ ክህሉ ኣብ ምግባርን ናይቲ ባሕሪ ሰላምን ምርግጋዕን ንምረግጋፅን ከምዝተስማዕምዑ ገሊፆም።

ፕረዚዳንት ግብፂ ዝኾኑ ኣብደልፋታሕ ኣልሲሲ ብወገኖም ምስ ፕረዚዳንት ጁብቲ ብዝዕባ ወቕታዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ኣመልኪቶም ብሰፊሑ ከምዝተዛተዩ ገሊፆም። ብተወሳኺ ፕረዚዳንት ኣልሲሲ ኣብ ፃንሒቶም “ኣብ ወሰንቲ ዓለም ለኸ መስመራት ንግዲ ዘጋጥሙ ዝኾነ ይኹን ብድሕነነትን ነፃነትን ንከይጓዓዝ ዝገብር ሓደጋ ከምእንቃወም ኣረጋጊፅና ኢና“ ክብሉ ዝተስማዕምዑሎም ነጥብታት ከም ዝዘርዘሩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ንናይ ዞባዊ ድሕንነትን መሪሓትንመሰረታትን ተገዛኢ ናይ ምኳን ኣድላይነት ብዝምልከት እውን ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ  ናይ ህልወና ጉዳይ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ  ምግላፁ ዝዝከር እንትኾን ካብዚ ብተወሳኺ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘካየዶ ኣኼብኡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለዋ ብምጥቃስ ብሕጋውን ዲፕሎማስያውን መንገዲ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ በሪ ክህልዋ ንምግባር ከምዝሰርሕ ምግላፁ ይፍለጥ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading