Site icon Tigrai Academy

ብሰንኪ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ንዓውዲ ቱሪዝም እቲ ዞባ ከምዘዳኸሞ ተገሊፁ።

Advertisements

ብሰንኪ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ንዓውዲ ቱሪዝም እቲ ዞባ ከምዘዳኸሞ ተገሊፁ።

ብሰንኪ እቲ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም (ህወፃ) ዝረኽብኦ ዝነበራ ኣታዊ ከምዘስኣነን ተሓቢሩ። እተን ሃገራት ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ መዓልቲ ኣስታት 600 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ይረኽባ ምንባረን ዝተሓበረ እንትኾን ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብቲ ዞባ ዝግበሩ በረራታት ዘይምህላዎም ፣ ምዕፃው ኣየር ክልልን መጥቃዕቲ ኢራንን ተሓዊስዎ ሃወፅቲ ናብቲ ዞባ ክጓዓዙ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝለዓለ ምዝሕሓል ከምስዐበ ፋይናንሻል ታይምስ ፀብፂቡ።

ፕረዚደንት World Travel &Tourism Council ግሎሪያ ግዩቫራ ከምዝገለፅዎ ዋላ ንሓፃር ስዓት እተጋጥም ምትዕንቛፍ ኣብ ልዕሊ ነጋዶን ናይ ቱሪስት ቦታታት እቲ ዞባ ቀሊል ዘይብሃል ኪሳራ ከምዘስዕብ ተዛሪቡ። ከምውፅኢቱ ድማ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራሕ ኣብ ዱባይ ንሓፂር ግዘ ቀሪቦም ዝነበሩ 80,000 ናይ ክራይ ሕቶታት ከምዝተሰረዙ ተሓቢሩ።

ከም ትንበያ እቲ ኣማኻሪ ትካል ጉዕዞን ቱሪዝምን (ህወፃን) ድማ ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብዚ ዓመት ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ኣስታት 207 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ፈሰስ ክግበር ከምዝኽእል ተንብዩ ምንባሩ ዝገለፀ ኮይኑ፤ ይኹን ድኣ እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ተፈጢሩ ብዘሎ ቅልውላው ምኽንያት ምንቅስቓስ ዓውዲ ቱሪዝም (ህወፃ) እቲ ዞባ ተዳኺሙ ከምዘሎ ይገልፅ።

ከምን ዱባይ፣ ኣቡ ዳቢ፣ ባህረይንን ዶሃን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ዞባ በብመዓልቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ናይ ኣየር ተጓዓዝቲ ዘተኣናግዳ ከተማታት ሙዃነን ዝንገረለን እንትኾና ፤ ኣብ ዝሓለፉ 5ተ መዓልታት ብዘጋጠሙ ምስራዝ በረራታት ኣስታት 4 ሚልዮን ተሳፈርቲ ከምዝተኣጓጎሉ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣብቲ ቦታ ዝፀንሑ ዑደተኛታት ንምውፃእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተፈላለዩ መዕርፎ ነፈርቲ ማእኸላይ ምብራቕ ብኣማኢት ዝቑፀሩ በረራታት ከምዝተኻየዱ ዝተሓበሩ እንትኾን ሐዚ እውን ግን እኹል ከምዘዬኮነ እናተገለፀ እዩ።

ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ሃገራት ኢመመራት ዓረብ፣ ሱዕዲ ዓረብያ፣ ኳታርን ኦማንን ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ብቢልዮናት ዝቑፀር ሃብተን ፈሰስ ብምግባር ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝነጥፋ ሃገራት ሙዃነን ዝፍለጥ እንትኾን ፤ ኣብተን ሃገራት ዘለው ጥንታዊ መስጊዳትን ሃይማኖታዊ ቦታታትን ንምጉብናይ ካብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሃወፅቲ (ዑደተኛታት) ዝኸድወን ሃገራት እየን።

Exit mobile version