Advertisements
ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ጋባ ዝተበገሰ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ በረኻታት ዋልድባ ኣትዩ ኣብቲ ቦታ ኣብ ስራሕቲ ምእራይ ወርቂ ዝተዋፈሩ 6 ወርቀኛታት ተጋሩ ከምዝቐተለ ፍልፍላትና ሓቢሮም ፡፡
መንግስቲ ብልፅግና ዘዋፈሮም ኣኽበርቲ ሰላም ዝብል ጉልባብ ዝተኸደኑ ዕጡቃት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምኳን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወረዳታት ፀልምቲ ከበድቲ ግፍዕታት ምፍፃም ቀፂሎሙሉ ዝርከቡ ኮይኖም ኣብቲ ናይ ትማሊ ግፍዒ ካብቶም 6 ተጋሩ ወርቐኛታት ብተወሳኺ ካብ ዓደርቃይ ዝመፁ ኣምሓሩ እዉን 8 ሰባት ከምዝቐተለ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።
ካብቶም ዝተቐተሉ ወገናት ብዙሓት ዝቖሰሉ ከምዝርከብዎም እዉን ተገሊፁ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ኣኽበርቲ ሰላም ዕጡቃት ኣምሓሩ ብምኳኑ ኣብ ህዝቢ ወረዳታት ፀልምቲ ቅድም ክብል እዉን ብዙሕ ግፍዕታት ዘውረዱ ኮይኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 7 ካብ ምልሻታት ተጋሩ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ድማ ካብ ሰላማውያን ነበርቲ ከምዝቐተሉን ምፅብፃብና ይዝከር።
ትማሊ ስራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተጋሩ ወርቀኛታት ምቅታሉ ስዒቡ ኣብ በረኻ ዋልድባ ዝንቀሳቀሱ ዕጡቋት ምልሻታት ምስ መከላከያ ናብ ፅዕፁዕ ልውውጥ ተኩሲ ከምዝኣተው ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።

