ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ዘለዎም ማሕበራዉን ቁጠባዉን ፀገማት ክፍተሐሎም ንቢሮ ጥዕናን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሕቶታት እናቕረቡ ምፅንሖም ይፍለጥ። ንሕቶን ጠለብን ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ንምፍታሕ ድማ፣ ፈለማ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብ5 ግንቦት 2017 ዓ.ም ካብ ትሽዓቲኦም ማሕበራት ሰብሞያ ጥዕና ትግራይ ምስ ዝተወከሉ ኣካላትን ዝምልከቶም ሓለፍቲ ቢሮን አብ ዝተረኸብሉ ዝርዝር ምይይጥ ከም ዝተኻየደ ቤት-ፅሕፈት ፕረዚዳንት ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝሃብዎ አንፈት መሰረት ከኣ ካብ ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ ዝተወከሉ ምክትል ሓለፍትን ላዕለዎት ክኢላታትን ከምኡ’ዉን ካብ ኩሎም ማሕበራት ሰብሞያ ጥዕና ትግራይ ሓደ ሓደ ብምዉካል ኮሚቴ ብምጥያሽ፣ ምስ ናይ ክልልና ጭቡጥ ዓቕምን ኩነታትን አዛሚዶም ንአርባዕተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት አብቶም ዝቐረቡ ሕቶታትን መፍትሒ ሓሳባትን ብዕሙቀት ምኽክር ብምክያድ ናይ ውሳነ ሓሳብ ብፅሑፍ ከቕርቡ ተገይሩ እዩⵆ
በዚ መሰረት እቲ ኮሚቴ፣ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓለፍቲ ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮን አብ ዝተረኸብሉ ነቲ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ብዝርዝር ከቕርብን ከረድእን ዝተገብረ ኮይኑ፣ አብዚ ተደሪኹ ሰፊሕ ምይይጥን ምርድዳእን ምስተገበረ ድማ እቲ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ተቐባልነት ረኺቡ’ዩⵆ
በዚ መሰረት ትማሊ 22 ግንቦት 2017 ዓ.ም ብመሪሕነት ክቡር ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኩሎም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ቢሮን ተወከልቲ ኩሎም ማሕበራት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይን አብ ዝተረኸብሉ ሰፊሕ መዛዘሚ ምይይጥ ዝተኻይደ ኮይኑ፣ ኣብቶም ዝቐረቡ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ዳርጋ ኣብ ዝበዝሑ ኣብ ሙሉእ ምርድዳእ ዝተበፅሐ እንትኸውን፣ ኣብ ሓደ ክልተ ዛዕባታት ግና ንቕድሚት ካልኦት ዝሓሹ ናይ መፍትሒ ሓሳባት እንትቐርቡ ደጊምካ ምርኣይ ከምዝከኣል ኣብ ሓበራዊ ስምምዕነት ተበፂሑ ኣሎ።
ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ዘለዎም ፀገማት ተሰኪሞም ንህዝቦምን ንዓዶምን ክህብዎ ንዝፀንሑን ዘለውን ግልጋሎት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዎ ክብርን ናእዳን እናገለፀ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታላትን ኣብ ሓደ ሓፈሻዊ ሆስፒታልን ዝተርኣየ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተርእዮ ግና ነቲ አብ ሕሰም ዝርከብ ህዝብና መሊሱ ዝጎድእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ንምምላስ‘ውን አወንታዊ አበርክቶ ዘይገብር ምዃኑ አብ ምርድዳእ ተበፂሑ’ዩ።
ግዚያዊ ምምሕዳር ንሕቶታት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብን ተደጋጋሚ ዘተ ብምክያድን ዘቐመጦ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ብዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ ክፍፀም ናይ ስራሕ መምርሒ ዝተወሃበ ኮይኑ፣ ከይዲ ኣፈፃፅማ እዚ ውሳነ ሓሳብ ዝከታተል ሓደ ጉጅለ ከዓ ንኽጣየሽ ተወሲኑ ከምዘሎ ቤት-ፅሕፈት ፕረዚዳንት ኣፍሊጡ።

