ውሱናት ኣካላት ንምርካብን ቂም ንምውርራድን ተባሂሉ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዝጎድእ ምንቅስቃስ ምግባር ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር እዩ!!
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ነበር ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ፋና ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተሓታትነትን ልዕልና ሕግን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ዘይኮነስ፣ ዝፈረሰ ይፍረስ ብዘስምዕ፣ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዘጉድፍን መፃኢ ዕድል ትግራይ ኣብ ሓደጋ ብዘእቱን ኣብ ውልቀሰባት፣ ጉጅለን ትካልን ዘነፃፀረ መጥቃዕስትን ሕነ ምፍዳይን ማእኸል ዝገበረን ፖለቲካዊ ኣንቅዶ ዝመርሖን ምዃኑ ተዓዝብና ኢና።
ኣይተ ጌታቸው ኣብ ናይ ስልጣን ፃንሒቶም ዝተርኣዪ ውድቀታት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ካልእ ኣካል ብምስባብ፣ ከሳሲ ኮይኖም ከምዝቐነዩ’ውን ተራእዮም። እዚ ዘርኣይዎ ተግባር፣ ሓዱሽ ወለዶ ናብ መሪሕነት መፂኡ ኢሉ ተስፋ ገይሩ ዝደገፎም መንእሰይ ትግራይውን ዘሕፈረ ተግባር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ፍትሕን ተሓታትነትን እውን ናብ ናይ ሚድያ ፕሮፓጋንዳ ዘውረደ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣይተ ጌታቸው ከም ኣብ መወዳእታ ጫፍ ዘለዉ መራሒ፣ ብፕሬዚደንትነቶም ጥራሕ ክውስንሉ ኣብ ኢዶም ካብዝኣቱ ጥቓ ሓደ ዓመት ዝገበረን ንማንም ኮፒ ዘይተገበረን ብዙሕ ጻዕሪ ዝተገበረሉን ዝተወድአ ናይ ምፅራይ ውፅኢት ብፍላይ ከዓ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰብ (human trafficking) ውዱእ ሰነድ፣ ኣብ ክንዲ ብእዋኑ ናብ ፍትሕን ተሓታትነትን ምስጋር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርጋሕ ገይሮም ኣለው።
እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ‘ዚ፣ ከጥቕዕዎም ንዝደለዩ ውልቀሰባት ጥራሕ ዒላማ ዝገበረ እንተይኮነስ፣ ፍትሕን ተሓታትነትን ንምርግጋፅ ዝግበር ምንቅስቃስ ዝጎድእን ኣብ መስርሕ ምፅራይ ተሳትፎ ንዝነበሮም ውልቀሰባትን ቤተሰቦምን ኣብ ሓደጋ ዘእትው፣ ካብ ነበር ፕሬዚደንት ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ንቡርን ነውሪን ዝፈልጥ ማሕበረሰብ ዝነብር ዝኾነ ዓይነት ሰብ ትጽቢት ዘይግበር ካብ ሰብነት’ውን ዘውርድ ናይ ነውሪ ነውሪ ተግባር እዩ።
እዚ ከምዚ ዝመሰለ ድሕረይ ዳንደር ኣይብቆል ዝዓይነቱ ተግባር ፣ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምዃኖም ጥራሕ ክፈልጥዎም ዝኸኣሉን ከም ብሄራዊ ጉዳያት ትግራይ ተገይሮም ክሳብ መወዳእታ ክዕቀቡ ዝግብኦም እምበር ፣ ንትግራይን ህዝባን ዘስዕብዎ ጉድኣት ብዘየገድስ ናብ ርካሽ ዕዳጋ ከውርዱ ወሲኖም ብቑርጸኝነት ዝተግርዎን በዚ ክቕጽሉ ከምዝኽእሉን ዝግመት ኮይኑ እዚዝወረደን ሓላፍነት ዝጎደሎን ተግባር ሕጋውን ሞራላውን ቁመና ዝሰሓተ፣ መንነቶም ዘርኣየ ተግባር ኮይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ።
ትግራይ ክትሰግር እያ!
ቤት ጽሕፈት ፕሬዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ
09 ግንቦት 2017 ዓ/ም

